Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ ናይ ኣፍሪካ ጉዳያት ብኣፍሪካውያን ባዕሎም ናይ ምውሳን ዓቕሚ ዘርኣየ እዩ -ኡሁሩ ኬኒያታ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 16፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬኒያታ፣ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ዕዉት ሃገራዊ ዘተ ኣፍሪካውያን ንጉዳያቶም ባዕሎም ናይ ምውሳን ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ ኢሎም።

ካብ መላእ ኢትዮጵያ ብህዝቢ ዝተወከሉ 4 ሽሕ ተዛተይቲ ዝተሳተፍዎ፣ ካብ ሓምለ 8/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ስነ-ስርዓቱ መዕፀዊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን መደረ ዘስምዑ ነበር ፕሬዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬኒያታ ኣብ ከይዲ ዘተ ብቐረባ ክከታተልዎ ከም ዝፀንሑን እቲ ከይዲ ዘደንቕ ከም ዝነበረን ገሊፆም።

እቲ ከይዲ ዘተ ብዓወት ብምዝዛሙ፣ ንመላእ ኢትዮጵያውያን እንቋዕ ደስ በለኩም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.