Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ንምፍፃር ወሳኒ ቁልፊ ኢዩ፡፡

ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ንምፍፃር ወሳኒ ቁልፊ ኢዩ፡፡

ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኣመለኻኽታታት ዝፍጠሩ ኣፋላላያት ብጠበንጃ ዘይኮነስ ብምድምማፅን ብልዝብን ዝፍቱሑሉ መገዲ ዘመቻቹ ኢዩ፡፡

እዚ ከይዲ ኢትዮጵያ ብህዝባ ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተት ጥንክርቲ ሃገር ምዃና ዘረጋግፀ ወሳኒ ስጉምቲ ኢዩ፡፡

ከም ኢትዮጵያ ዝበላ መንበሪ ብዙሕ ብሄር ብሄረሰባትን ባህሊታትን ዝኾና ሃገራት፣ ናይ ሓደ ወገን ኣመለኻኽታ ጥራሕ ዓብላሊ ክኸውን ምግባር ዘላቒ ሰላም ኣየምፅእን፡፡

ኣብ ታሪኽ ኣጋጣሚ መብዛሕተኦም ከይዲታት ህንፀት ሃገር ዝተሳለጡ ህዝቢ ብሰፊሑ እንተይተዘተየሎምን እንተይተመያየጠሎምን ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ መዋቕራዊን ፖለቲካዊን ቅርሕንቲታት ኣስዒቡ ኢዩ፡፡

እቲ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝሓለፉ ዘበናት ዝነበሩ ቅርሕንቲታትን ዘይምርድዳእን ብዝተረጋገአ መገዲ ንምፍታሕ ዝዓለመ ሓበራዊ መድረኽ ኢዩ፡፡

እዚ ድማ ኩሎም ዜጋታት ብዘይ ኣፈላላይ ብሓድነት ተቐሚጦም ሓበራዊ መፃኢ ዕድሎም እውስኑሉ ከይዲ ይገብሮ፡፡

ኣብዚ ከይዲ ድማ ኩሉ ሰብ ናይ ባዕሉ ሓሳብ ብናፅነት ዘንፀባርቐሉ መድረኽ ተመዓራሪዩ ኣሎ፡፡

ሃገራዊ ዘተ ሓበራዊ ብሄራዊ ምርድዳእ ይፈጥር፡፡

እዚ ድማ ንህልውና ሃገር ወሳኒ ብምዃኑ ኣብ ጉዳያት ናይ ኩሎም ዜጋታት ድምፂ ሓደ ምዃኑ የረጋግፅ፡፡

ብሃገራዊ ዘተ ኣቢሉ ዝፀደቑ ሕጊታትን መምርሒታትን ናይ ኩሉ ዜጋ ስለዝኾኑ፣ እታ ሃገር ብዘላቕነት ናብ ምዕናለ ንምስግጋር የኽእሉ፡፡

ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ ኣብ ምጥንኻር ዕዙዝ እጃም ኣለዎ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ናይዚ ታሪኻዊ ከይዲ ንቑሕ ተሳታፊ ብምዃን ኣብ ህንፀት ሃገር ኣዎንታዊ ኣሰር ከዕርፍ ይግባእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.