Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ ዓውዲ ፖለቲካ ካብ ስምዒት ተቓርኖ ወፂኡ ብመገዲ ቕርታ ንኽኸይድ መሰረት ዘንበረ እዩ -ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 16፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገራዊ ዘተ ዓውዲ ፖለቲካ ካብ ስምዒት ተቓርኖ ወፂኡ ብመንገዲ ቕርታ ንኽኸይድ መሰረት ዘንበረ እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።

ካብ ሓምለ 8 ቀን 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ስነ ስርዓት መዕፀዊ ይካየድ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ጥበብን ብልሓትን ሓንቲ ሃገር፣ ፍልልያት ብስልጡን መንገዲ ብምኽክር ምፍታሕ እዩ።

ሎሚ ዕለት ብድምቀትን ንሃገር ዝጠቕም፣ ንወለዶ ዝድሕንን ሓድነትና ዘፅንዕን ሓባራዊ ድሌትን ፅቡቕ ተስፋን ዝተገልፀላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት እዩ ኢሎም።

ነዚ ልዕል ዝበለ ዓብዩ ሓላፍነት ተቐቢሎም ንሃገራዊ ዘተ ዕዉት ንኽኸውን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣመራርሓታት ኮሚሽን፣ ሰራሕተኛታት፣ ተዛተይቲ ካልኦት ኣካላትን ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.