ልኡኽ ካልኣይ ወለዶ ዲያስፖራ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካናዳ ዝተወልዱ ህፃናትን መናእሰይን ከምኡ እውን ስድራኦምን ዝሓዘ 120 ኣባላት ዘለውዎ ልኡኽ ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን፤ ብኣገልግሎት ዲያስፖራ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ሓደ ወርሒ ፃንሒት ኣብ መድረኻት ልውውጥ ባህሊ ዝሳተፉ እንትኾኑ፤ ከምኡ እውን ታሪኻዊ ቦታታት ክዕዘቡ እዮም።
መተሓባባሪ እቲ ልኡኽ ኣሸናፊ ግርማ፤ ኣባላት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ፃንሒት ብፍላይ ንኢትዮጵያውያን ሰገናት ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘለዎም ተሞክሮ ከምዘካፍሉ ተዛሪቦም።
ኣባላት እቲ ልኡኽ ብወገኖም፤ ባህሊን ታሪኽን ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ካብ ምፍላጥ ሓሊፎም፣ ምስ ታሪኽ፣ ባህሊን መንነትን ሃገሮም ዘለዎም ምትእስሳር ከምዘጠናኽሩ ተዛሪቦም።
እቲ መርሃ ግብሪ ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን ንኢትዮጵያ ብዝበለፀ ክፈልጡን ባህላዊ ምትእስሳሮም ከጠናኸሩን ዝሕግዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብጀማል ኣሕመድ