Fana: At a Speed of Life!

ልዕልነት ኢትዮጵያ ካብ ራኢ ናብ ተግባር

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ናይ ታሪኽ ዘበና ምልክት ናፅነት፣ ፅንዓትን ስልጣነ ወዲ ሰብን እያ።

እዚ ልዕልነት ኣብ መዝገብ ታሪኽ ጥራሕ ተቐርቂሩ ዝተረፈ ዘይኮነስ፤ ሎሚ እውን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ቆይሙ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ብራኸ እናተሰጋገረ ይርከብ።

ልዕልነት ሃገር ብተግባር ዝግለፅ ኣርሒቑ ብዝሓስብ፣ መፃኢ ዕድል ህዝቡ ብትኽክል ብዝትንቢን ዓበይቲ ትልሚታት ብዝሕንፅፅን መንግስቲ እዩ።

ኢትዮጵያ ብመንግስቲ መደመር ዝነበራ ዝናን ግርማን ብምዕባይ ብሓዱሽ መልክዑ ናይ ምሕዳስን ምህናፅን ከይዳ እናቀላጠፈት ትቕፅል ኣላ።

እዞም ዓበይቲ ውጥናትን ዕዉታት ተግባራትን ከም ቀንዲ መሪሕ ብርሃን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ድማ፤ መንግስቲ ብግልፂ ዝምርሓሉ ርእዮተ ዓለም “መደመር” እዩ።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኮነ ኣብ መላእ ኣህጉር ስትራቴጂካዊን ኢኮኖሚያዊን ልዕልነታ ንኽተረጋግፅ ዘኽእላ ኩነታት እናፈጠረት ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር እናተኻየዱ ዝርከቡ ህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክታት፣ ምዕባለ ዘበናዊ ሕርሻን ምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓትን መንግስቲ ዓብዪ ራኢ ሒዙ ብስሉጥ እናፈፀመ ምዃኑ ብግልፂ የርኢ።

እዞም ተግባራት ካብ ውዳበ ኢኮኖሚ ምቕያር ሓሊፎም ተስፋ ዜጋታት ዘለምልሙን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ዘቐምጡን ብቁፅሪ ዝረጋገፁን ብዓይኒ ዝርኣዩን ውፅኢታት እዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.