Fana: At a Speed of Life!

ልዕልና ቴክኖሎጂ ዝሓትት ናይዚ ዘበን ሓርበኝነት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይዚ ዘበን ሓርበኝነት ሓሳብ፣ ብልሒን ልዕልና ቴክኖሎጂን ዝሓትት ኢዩ ኢሎም ዋና ፈፃ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣድማሱ ዳምጠው።

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን እሁድ ኤኣይ ስቱዲዮን ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ውድድር ሙዚቃ ኤ ኣይ ኣካይዱ።

ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቲ ውድድር ኣብ ኢትዮጵያ ኣጠቓቕማ ሚዲያን ኣብ ዓውዲ ኪነ ጥበብን ሓዱሽ ናይ ፈጠራ ምዕራፍ ዝኸፈተ ኢዩ።

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ስሩዕ ሓበሬታ ካብ ምሃብ፣ ምምሃርን ምዝንጋዕን ግድኡ ብተወሳኺ ንሃገራዊ ሓሳባት መንሸራሸሪን ዝሐሸ ሓሳብ መንጠሪን ባይታ ብምዃን እናገልገለ ይርከብ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ኣብ ፈጠራን ስግግር ወለዶን ብምድሃብ ከምዝሰርሕ ብምሕባር፥ ንብሄራዊ ረብሓ ዝተግህ ትውልዲ ምህናፅ ቀንዱ ዕላምኡ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ምውዳብን ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ምሕንፃፅን ንናይሎሙ ዓወት ቴክኖሎጂ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.