Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ምሸት 5 ፀወታታት ክካየዱ እዮም።

ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ ፀወታ ምሸት ሰዓት 11:00 ኣርባዕተ ፀወታታት እንትካየዱ፤ ቼልሲ ምስ ሰንደርላንድን ሊቨርፑል ምስ ክሪስታል ፓላስን ዝገብረኦም ፀወታታት ትኹረት ረኺቦም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ሰዓት ብራይተን ምስ ብሬንትፎርድ፣ ኢፕስዊች ምስ ቦርንማውዝ ፀወታአን ክገብራ እየን።

ምሸት ሰዓት 1:30 ድማ ኣብ ስታድየም ኦልድ ትራፎርድ ኣብ ቅልውላው ውፅኢት ትርከብ ማንቸስተር ዩናይትድ ንኣስቶን ቪላ ከተኣናግድ እያ።

ኣርሰናል ብ27 ነጥቢ ነቲ ሊግ እናመርሐት ትርከብ እንትኸውን፤ ማንቸስተር ሲቲ ብ21 ነጥቢ፣ ብራይተን ድማ ብ19 ነጥቢ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ይርከባ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.