ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕባይ ዓቕሚ ማይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ሓለዋ ተፋሰስ ብምጥንኻር ድሕንነት ግድባትን ፍልፍላት ማይን እናደንፈዐ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኽሉ ፈልሲታት ብብዙሕ መገዲ ህይወት ኢትዮጵያውያን እናለወጡ መፂኦም እዮም።
እቲ መርሃ ግብሪ ዝፈጠሮ ኢኮኖሚያዊ ዕድል ድማ ኣትክልትን ፍረምረን ሓዊሱ መፍረያይነት ሕርሻ ብምዕባይ ንዕብየት ንግዲ ወፃኢ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናተፃወተ ይርከብ።
ካብ ምክልኻል ምጉሕጓሕ መሬት ሓሊፉ ማይ ናብ ከርሰ ምድሪ ክሰርፅ ብምግባር ተፈጥሮኣዊ መጠን ፍልፍላት ማይ፣ ዒላታትን ሩባታትን ንኽውስኽ ገይሩ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ምጉሕጓሕ መሬት ብምንካይ፣ ልሙዕነት ሓመድ ብምሕላውን ስነ-ምህዳር ተፋሰስ ብምጥንኻርን፣ ዝደረቑ ፍልፍላት ማይ ክምለሱ ኣኽኢሉ እዩ።
እዚ ድማ ኣብ ተፋሰስ ዓባይ፣ ኣዋሽን ካልኦት ሩባታት ኢትዮጵያን ብዝተኻየዱ መፅናዕትታት ከም ዝተረጋገፀ ሓበሬታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን የመልክት።
ምምላስ ቃላይ ሃሮማያ ኣብ ታሪክ ሓለዋ ስነ ምህዳርን ልምዓት ተፋሰስን ኢትዮጵያ ካብ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ብኣብነት ይፅራሕ።
ሓምለዋይ ኣሰር ሓለዋ ተፋሰስ ብምጥንኻር ድሕንነት ግድባትን ፍልፍላት ማይን እናሓለወ ይርከብ፡፡