Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰር – ንወለዶታት ዝሰጋገር ዓብዪ ሃፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ሃገር ምስሊ መሬታ፣ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታታ ወይ እውን ድንበራ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ውፅኢት ሓባራዊ ሕልምን ሓድነትን ህዝባ እያ።

ሓደ ህዝቢ ንሓደ ሰናይ ዕላማ ብሓባር ጠጠው እንትብል ኣኽራን ኣፍሪሱ ሰጥ ዝበለ ሜዳ ክገብር፤ ካብ ንጣብ ማይ እልፊ መሬት ከልምዕ፣ ብሓፈሻ ዘይከኣሉ ዝመስሉ ነገራት እውን ከሳኽዕ ከም ዝኽእል ታሪኽ ደጋጊሙ ኣርእዩ እዩ።

ነዚ ዝዓበየን ዝቐረበን መረጋገፂ ድማ ትማሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህፃን ዓብዪ፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዘይ ፍልልይ ዘካየዶ፣ ብዓይንና ዝረኣናዮን ንመላእ ዓለም ዓብዪ ኣብነት ዝኾነን ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ታሪኻዊ ተበግሶ እዩ።

ትማሊ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ሓንቲ ፀሓይ ታራ ፈልሲ ናይ ምትካል ተግባር ጥራሕ ኣይነበረን።

የግዳስ ኢትዮጵያውያን ብብሄር፣ ብሃይማኖት፣ ብዕድመን ፆታን እንተይተፈላለዩ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዕላማ ዝተሰለፉሉ፣ ንሓባራዊት ሃገሮም ሓምለወይቲ ንምልባስ ብመንፈስ ሕውነትን ሓፍትነትን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝተንቀሳቐሱላ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ ነይራ።

ህዝቢ ኣብ ሓደ ሰናይ ዕላማ እንትወሃድ ክንደይ ዘኣክል ቀልጢፉን ውፅኢታዊ ለውጢ ከም ዘምፅእ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ብተግባር ተራእዩ እዩ።

እዚ ናይ ህዝቢ ሓባራዊ ምትእኽኻብን ንሓደ ዕላማ ብሓድነት ምቛምን ንኢትዮጵያውያን ሓድሽ ኣይኮነን።

ነዚ ከም መርኣያ ዓወት ዓድዋ ክፅራሕ ይከኣል፤ ከምቲ ኢትዮጵያውያን ካብ ኩሉ ኣንፈት ተኣኪቦም ንወራሪ ፀላኢ ዝሰዓሩ፤ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ብዙሓት እንተተባቢሮም እምባታት እውን ይንቀሳቐስ ዝብል ሃገራዊ ምስላ ብግብሪ ንዓለም ዘርኣየ እዩ።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብዚ ዘመን ንላዕሊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ሓምለዋይ ሃፍቲ ኮይኑ፤ ንመፃኢት ኢትዮጵያ ፅኑዕ መሰረት ኣንቢሩ እዩ።

ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝሓዘሎ ዓብዪ መልእኽቲ፤ እንተተሓባቢርና ዘይከኣል ነገር የለን ዝብል ሓቂ እዩ።

ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሚልዮናት ሰባት ብምእካብ፣ ቢልዮናት ፍልሲታት ምትካል እንተተኻኢሉ፤ ነቲ መንፈስ ሓድነትን ምትሕብባርን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ብምውዓል ክንደይ ዘኣክል ዓብዪ ታሪኽ ክስራሕ ከም ዝከኣል ዘርኣየን ዘምሃረን ፍፀመ እዩ።

ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያውያን እንተተባቢሮም ዘይስዕርዎ ፈተና፣ ዘይሳገርዎ ዶብ፣ ዘይፅሕፉዎ ታሪኽ ከምዘየለ ዘረጋገፀ ዝዓበየ ምስክር እዩ።

ብመልካም ፍቓዱ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.