ሓርበኝነት – ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚያዝያ 27 ኢትዮጵያውያን ብዓብዩ መስዋእቲ ንፋሽሽታዊት ጣሊያን ስዒሮም ሓርበኛታት ባንዴራኦም ዘልዓሉላ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ።
ንሃገራውነት ኢትዮጵያ ፍሉይ ዝገብሮ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ” ቃልሲ ምንባሩ እዩ።
እዚ ቃልሲ እዚ ንኢትዮጵያውነት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ፀለምቲ ህዝብታት ተስፋን ምልክት ሓርነትን ገይርዎም ኣሎ።
ኣብዚ ግዜና ድማ ሓርበኛታት እንልኽዖ ኣብ ዓውደ ውግእ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገር ብቑጠባን ብቴክኖሎጅን ልዕል ብዝብል ልምዓታዊ ዓወታት ዝዕቀን እውን እዩ ።
በዙይ እውን መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ዘመዝገቦ ዓወታት ኣብነታት ሓርበኛታት ዝኾኑ እዮም።
ንኣብነት ከም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ምዝዛሙን ብሓፈሻ ኣብ ሓምለዋይ አሰር፣ሕርሻ፣ ዕደና፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም ዝተረኸቡ ዓወታት ይፅርሑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝፀንሐ ታሪኽ ልመናን ፅግዕተኛነትን ዝቐየረ ምዕባለ ክረምትን ሓጋይን መስኖ ስርናይ ካልእ ኣብነት ሃገራውነት እዩ።
እዚ ዓወት እዚ ንዜጋታት ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ጥራሕ ዘይኾነስ፣ ንዕዳጋ ወፃኢ ዝኸውን ትርፊ ፍርያት ብምፍራይ ሃገራዊ ክብሪ ኣዕብዩ እዩ።
ብሶስና ኣለማየሁ