ሓዱሽ መንግስቲ መደመር
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 54 ሚልየን ኢትዮጵያውያን ብምውፃእ ድምፆም ዝሃቡሉ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ 42 ተወዳደርቲ ፓርቲታት ከም ዝተሳተፉ ይዝከር።
በዚ ድማ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 438 ወናብር ብምርካብ ብፀብለልታ ድምፂ ከም ዝተዓወተ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዕላዊ ምግባሩ ኣይርሳዕን።
ብመሰረት ውፅኢት እቲ መረፃ ብድምፂ ህዝቢ ተቐባልነት ዝረኸበ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ብወግዒ እቲ ሓዱሽ መንግስቲ መደመር ክምስርት እዩ።
ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን እውን 7ይ ዘበነ ስራሕ ቀዳማይ ዓመት ቀዳማይ ስሩዕ ከምኡ እውን ሓባራዊ መኽፈቲ ጉባኤኦም ሎሚ መዓልቲ ከካይዱ እዮም።