ሓዱሽ ወለዶ ንዝለዓለ ዓወት ክብርትዕ ምትብባዕኩም ቀፅሉ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ብኽብሪ ሓፍ ኣቢልኩም ምውልብላብኩም ከምኡ እውን ሓዱሽ ወለዶ ንዝለዓለ ዓወት ክብርትዕ ምትብባዕኩም ቀፅሉ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ መናእሰይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታትና ኣብ ሴኔጋል ዳካር ኣብ ዝተኻየደ ፀወታታት ኦሊምፒክ መናእሰይ 2026 ብዘመዝገቡዎ ዘደንቕን ታሪኻዊን ዓወት ካብ ልቢ ዝነቐለ መልእኽቲ እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ክብል ይደሊ ኢሎም።
5 ወርቂ 3 ብሩርን ሓዊሱ ብሓፈሻ 8 ሜዳልያታት ብምርካብ ኣብ ሰንጠረዥ ሜዳልያታት ኣትሌቲክስ ብቀዳማይ ደረጃ ምዝዛሞም ብምሕባር፤ ዓሚቝ ክእለት ስፖርት ኢትዮጵያን ኣብ ዘፈር ኣትሌቲክስ ዘለዋ ዕብየትን ዳግም ዘረጋገፀ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ብኽብሪ ሓፍ ኣቢልኩም ምውልብላብኩም ከምኡ እውን ሓዱሽ ወለዶ ንዝለዓለ ዓወት ክብርትዕ ምትብባዕኩም ቀፅሉ ብምባል ናይ ሓደራ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።