Fana: At a Speed of Life!

ሓድሽ ምዕራፍ ቱሪዝም ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ልምዓት ኮሪደርን ኮንፈረንስ ቱሪዝምን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ በፂሑ ይርከብ።

ብመመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ዘፈራት ሓደ ዓውዲ ቱሪዝም እዩ።

ብተበግሶ ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተኻየዱ ስራሕቲ ልምዓት ምስሊ መብፅሒታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣብ ጥንኩ መሰረት ዝተሃነፁን ነቲ ዓውዲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግሩ እዮም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተኻየዱ ልምዓታት ኮሪደርን ፓርክታትን ጀሚሩ ኣብ ክልላት ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት መኣዲ ንሃገርን መኣዲ ንወለዶን፣ ዓቕሚ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ብምቕያር ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቶም እዮም።

ፓርክ ሓድነት፣ ፓርክ ወዳጅነት፣ ፓርክ እንጦጦ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ጎርጎራ፣ ወንጪ፣ ደንቢ ኢኮ ሎጅ፣ ኒኢን ሌ ፓልም ሎጅን ሸበሌ ሪዞርትን ኢትዮጵያ ቅድም ኢሎም ዝነበሩዋ ታሪኻዊን ተፈጥሮኣዊን መስሕባት ምስ ዘበናዊ ኣገልግሎት ምትእንጋድን መዘናግዒን ተኣሳሲሮም እዮም።

እዞም ሓደሽቲ መብፅሒታት እዋን ፃንሒት ቱሪስታት ካብ ምንዋሕ ሓሊፎም ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ተመራፂት ማእኸል ቱሪዝም ክትከውን ገይሮማ እዮም።

ሓደሽቲን ነባራትን መብፅሒታት ንበፃሕቲ ውሽጢ ሃርን ወፃኢን ምቹውን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ኣገልግሎት ኣብ ምፍጣር ዓብዪ ኣበርክቶ እናገበሩ ይርከቡ።

ዝለምዑ መብፅሒታት ንብዙሓት ኣሽሓት ዜጋታት፤ ብፍላይ ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ፈጢሮም እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማታትን ሓለዋ ኣካባቢን፣ ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ ምስ ቱሪዝም ኣብ ምትእስሳር ኣርኣያ ዝኾነ ተግባር እዩ።

እዞም ፕሮጀክትታት ፅባቐን ፅሬትን ከተማታት ካብ ምሕላው ሓሊፎም፤ ተፈጥሯዊ ሃፍታት ከይበላሸዉ ንመፃኢ ወለዶ ንምስግጋር ዘኽእል ዘላቒ ልምዓት ቱሪዝም መሰረት ኣንቢሮም እዮም።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝኾኑን ስራሕ ዝጀመሩን ሓደሽቲ መስሕባት ቱሪዝም ንዓውዲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ካብ መሰረቱ ብምልዋጥ ኣብ ዓለም ለኸ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ተወዳዳሪን ዘበናዊን መድረኽ ብምፍጣርን ሓፈሻዊ ፋይዳ ኣለዎም።

ዘበናዊ ኣገልግሎትን ዲጂታል ኣወሃህባ ሓበሬታን ከምኡ እውን ምትእስሳር መጓዓዝያ ኣየርን ምስዞም መስሕባት ብምውህሃድ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ቱሪዝም ዘለዋ ብፅሒት ብልዑል ብርኪ ንኸተዕቢን ሓፈሻዊ ኣበርክቶ ልምዓት እቲ ዘፈር ንኸተረጋግፅን ዘለዎም ረብሓ ኣዝዩ ልዑል እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃነፁ ሓደሽቲ መስሕባት ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ መብፅሒት ቱሪዝም ንኽትከውን መሰረት ዘንበሩ እዮም።

ብወንድማገኝ ጸጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.