ሕትመት ናይ ዲግሪ ሰርተፊኬት ኣብ ሓደ ማእኸል ጥራሕ ክውገን ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕትመት ናይ ዲግሪ ሰርተፊኬት ተመረቕቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሓደ ማእኸል ጥራሕ ክውገን ኢዩኢሉ ሚኒስቴር ትምህርቲ።
ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን መሰረተ ልምዓትን ሰለሞን ኣብርሃ (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፤ እቲ ኣሰራርሓ ናይ ሕሶት መረዳእታ ትምህርቲ ንምክልኻል ዝዓለመ ኢዩ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኩለን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ጨረታ ብዝሰዓረ ትካል ኣቢሉ መረዳእታ ትምህርቲ ተምሃሮ ዝሕትሙሉ ኣሰራርሓ ንናይሕሶት መረዳእታ ትምህርቲ ዘቃልዕ ኮይኑ ፀኒሑ ኢሎም፡፡
ብምዃኑ ድማ ናይ ኩለን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መንግስቲን ውልቀን ተምሃሮ ዲግሪ ኣብ ሓደ ማእኸል ጥራሕ ከሕትማ ክግበር ኢዩ ኢሎም፡፡
እቲ ሓዱሽ ዲግሪ ተሓቲሙ ክሳብ ዝበፅሕ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዲግሪ ንዘድልዮም ተምሃሮ ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ከምዝፅሕፍ ብምግላፅ፤ እቲ ሕትመት ኣብዚ ዓመት ከምዝጅምር ሓቢሮም።
ኣ2017 ዓ.ም ዝተመረቑ ተምሃሮ ሓዊሱ ድሕሪ ሕዚ ዝምረቑ እውን ሙሉእ ብሙሉእ ብሰረት እቲ ሓዱሽ ስርዓት ኣብ ሓደ ማእኸል ጥራሕ ዝሕተም ዲግሪ ክወስዱ ከምዝግበር ኣብሪሆም፡፡
ብመሳፍንት እያዩ