Fana: At a Speed of Life!

መሓውር ፀጥታ ሽርሒ ባንዳታት ውሽጥን ግዳማዊን ኣፍሺሉ – ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 21፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መሓውር ፀጥታ ምስ ህዝቢ ተወሃሂዱ ብምስራሑ ሽርሒ ባንዳታት ውሽጥን ግዳማዊን ኣፈሺሉ ኢሎም ዋና ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል።

ኮሚሽነራት ፖሊስ ኢትዮጵያን ሓለፍቲ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ሃገራዊ ሓባራዊ መድረኽ ፀጥታ ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ መድረኽ ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ መሓውር ፀጥታ ምስ ህዝቢ ብሓባር ተወሃሂዱ ብምስራሑ ሰላም ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ገሊፆም።

እቶም ኮሚሽነር ከምዝገለፅዎ፥ ሻውዓይ ሃገራዊ መረፃ ብዓወት ንክዛዘም ኣብ ኩሉ ብርኪ ዝርከቡ መሓውር ፀጥታ ብምውጣንን ብምስራሕን ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ዓለምን ከም ኣብነት ዝልዓል ሰላማዊ መረፃ ክካየድ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ኣብ ፀገም ክትፀንሕን ሰላማ ክትዘርግን ዝደልዩ ውሽጣውን ግዳማውያን ፀላእቲ ተራኺቦም ብዙሕ ሽርሕታት ከምዝፍሕሱን ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፥ እቶም ሽርሕታት ንምፍሻልንን ህይወት ብምኽፋልን ፤ ሰላምን ደሕንነትን ሃገር ንምሕላው ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሆም።

እቲ ናይ ሎሚ መድረኽ ብቐንዲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ዝተረኸቡ ፅቡቕ ተመኩሮታትን ዘጋጠሙ ክፍተታትን ብምልላይ፣ ንመፃኢ ተልእኾታት ካብ ሕዚ ንምድላው ዝዓለመ እዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.