Fana: At a Speed of Life!

መስመር ህልውናን ሉኣላዊነትን ሃገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ትማሊ መንግስቲ ዘሕለፎም ውሳነታት ኢትዮጵያ ንሕልውናኣን ሉኣላውነታን ዘለዋ ቀይሕ መስመር ብግልፂ ዘስመረትሉ ታሪኻዊ ፍፃመ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክዕፆ ዝወሰነት እንትትከውን፤ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ እውን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወፁ ትእዛዝ ሂባ እያ።

እዚ ውሳነ መንግስቲ ድማ ሉኣላዊነት ሃገርን ድሕንነት ህዝቢን ንምኽባር ዝተወሰደ ወሳኒ ከምኡ እውን ዘይናጋዕ ቆራፅነት ዘርኢ ስጉምቲ እዩ።

ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንዘለዋ ሰላማዊ ሓቢርካ ምንባር መስርሕ፣ ንሓባራዊ ዕቤትን ንምርግጋዕ እቲ ዞባን ብሰፊሑ ክትሰርሕ ፀኒሓ እያ።

እንተኾነ ግን ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነትን ምዝርጋሕ ኢድ ሰላምን ዋጋ ዝህልዎ እቲ ህልውና ሃገር፣ ሉኣላዊነትን ብሄራዊ ረብሓን ኣብ ሓደጋ ክሳብ እንተዘይኣትዩ ጥራሕ እዩ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከም ዝሓበሮ፤ እዚ ጥንኩር ስጉምቲ ዝተወሰደ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝፈፀመቶ ቀጥታዊን ተዘዋዋሪን ተግባራት ፅሕተራ ጎንፂ ምላሽ ንምሃብ እዩ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ጥሕሰት ዝፈፀሙ ኣሕመድ ሞሓራን ኣሕመድ ሶሊማን ዝተብሃሉ ዲፕሎማሰኛታት ግብፂ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገር ለቒቖም ክወፁ ኣዚዙ እዩ።

ድሕንነት ሃገር ናይ ምሕላው ሕገ መንግስታዊን ታሪኻዊን ሓላፍነት ዝተነበረሉ ኣካል መንግስቲ ንሰላም እታ ሃገር ዝፈታተኑ ተግባራት እንትፍፀሙ ስቕ ኢሉ ኣይዕዘብን።

ንስምምዕነት ዲፕሎማሲ ቪየና ብምጥሓስ ንብሄራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ስግኣት ዝኾኑ ዲፕሎማሰኛታት እታ ሃገር ክለቅቁ ምግባሩ ሕጊን ዓለም ለኻዊ ኣሰራርሓን ተኸቲሉ ዝተወሰደ ሕጋዊ ስጉምቲ እዩ።

ዲፕሎማሲ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ዝጠቅም መሳርሒ እምበር ሉኣላዊነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ውዲታት ዝሕብኡሉ መሸፈኒ ክኸውን ኣይክእልን። ንመሰልን ኣሰራርሓን ዲፕሎማሲያዊ ሽፋን ብምግባር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትን ድሕንነትን ሃገር ሓደጋ ምፍጣር ዓለም ለኸ ሕግታት ዝጥሕስ ተግባር እዩ።

ብምዃኑ ድማ ውሳነ መንግስቲ ክብሪ ኢትዮጵያ ዝሕሉ፣ ድሕንነት ህዝቢ ዘረጋግፅን ትንያ ዝኾነ ይኹን ወገን ብፅንዓት ዝምክትን ሓዱሽን ኣድላዪን ስጉምቲ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ ክፍትሑ ዘለዎ ፅኑዕ ድሌት፣ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዋ ድልውነት ዘረጋግፅ እዩ።

ዝተመሓላለፉ ውሳነታት እውን ኢትዮጵያ ኣብ ሉኣላውነታን ሃገራዊ ድሕንነታን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ድርድር ከም ዘይትገብር ንማሕበረሰብ ዓለምን ንሃገራት እቲ ዞባን ግልፂ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኮይኑ ኣሎ።

ሉኣላውነት ሃገር ምኽባር ኩሉ ግዜ ቀዳማይ ቅድመ ኩነት ብምዃኑ፤ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ህልውና ሃገር ዘለዎም ሓድነትን ፅንዓትን ኩሉ ግዘ ዘይናጋዕ መደገፊ ዓምዲ ሃገርና ኮይኑ ክቕፅል እዩ።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.