Fana: At a Speed of Life!

መሶብ፣ ካብ ኣገልግሎት ንላዕሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መሶብ ንዘመኑ ዝጠልብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ማእኸል ዝህብ ብምዃኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣገልግሎት መንግስቲ ምርካብ ቀሊል ኮይኑ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ንኣቢያተ ዕዮ መንግስቲ ምልማን፣ ካብ ሓደ ቢሮ ናብ ካሊእ ምንክርታት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዝርከቡ ሕልኽላኻት ቢሮክራሲ ምውዓልን ምሕዳርን ዜጋታት ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ዓብዪ ብድሆ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

እዚ ዝደንጎየ ምሃብ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ እውን ቀሊል ዘይበሃል ፅዕንቶ የሕድር ነይሩ፤ ከም ምሃብ ፍቓድ ንግዲ፣ ምዝገባ መሬትን ኣገልግሎት ግብሪን ዝበሉ ጉዳያት ምድንጓይያትፃይ ዕድጊት ወፃኢ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ድሌት ኢንቨስትመንት ይንኪ፣ ግዕዝይና እውን የጋድድ ነይሩ።

መርኣያታት ምሕደራ ባንክ ዓለም ከም ዝሕብሩዎ፤ ድኹም ትካላዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ስሕበት ኢንቨስትመንተ ወፃኢ ዝተሓተ ይኸውን፤ ልምዓት ዘፈር ውልቀ የተዓናቕፍ፤ ኣተኣኻኽባ እቶት መንግስቲ ይደክም፤ በዚ ምኽንያት ድማ ቅልጣፈ ዕቤት ኢኮኖሚ ይንኪ።

ካብ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ብተወሳኺ፣ ሓደ ቀሊል ጉዳይ ንምፍፃም ዝነበረፃንግልታዕ፣ ግዘ፣ ጉልበትን ወፃኢታትን ብዙሓት ሰባት ብኸንቱ ክባኽን ገይሩ እዩ።

እዚ ዝደንጎየ ኣሰራርሓ ንስርቂን ብልሽውናን ክፍተት ዝፈጠረ፣ ደለልቲ ኣብ ኣገልግሎታት መንግስቲ ኢዶም ከእትዉ ዝገበረ፣ ምስዋር ሰነዳትን መመረት ህዝቢን ዘበረኸ ኩነታት ነይሩ።

ንነዊሕ እዋን ሱር ዝሰደደ ፀገም ብዘበናዊ ኣሰራርሓ ንምፍታሕ መንግስቲ መደመር ዝዘርገሖ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ፣ ምንግልታዕ ብዙሓት ዜጋታት ዘትረፈን ባህሊ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ብልዑል ደረጃ ዝቐየረን ፍረ ሪፎርም ኮይኑ መፂኡ ኣሎ።

ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ግዜን ጉልበትን ዜጋታት ብምዕቃብ፣ ስሉጥን ብቐሊሉን ኣገልግሎት መንግስቲ ንምሃብ እዩ።

ቅድም ክብል ሰሙናት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣዋርሕ ዝወስዱ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት፣ ሎሚ ኣብ ሓደ መስኮት ብዝተቐላጠፈን ዝተዋደደን ኣገባብ ይወሃቡ ኣለዉ።

ናብቶም ማእኸላት ክበፅሑ ዘይኽእሉ ተገልገልቲ እውን፣ ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት መሶብ ብምጥቃም ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝኽእሉሉ ኣማራፂ ተመዓራርዩ እዩ።

ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዝገልፁዎ፤ ግዘን ጉልበትን ምዕቃብ ኣብ ኢኮኖሚያዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ህይወት ዜጋታት ዘለዎ እወንታዊ ፅልዋ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ምድንጓይን ምንግልታዕን እናነከየ፣ እምነትን ዕግበትን ህዝቢ ኣብ መንግስቲ እውን ብተመሳሳሊ ይዓቢ።

ኣገልግሎት ዝደሊ ክፋል ሕብረተሰብ ብዘይምንም ምንግልታዕን ዘየድልዩ ቅድመ ኩነታትን መሰሎም ተሓልዩ ኣገልግሎት ንኽረክብ ምኽኣሉ ቆራፅነት ሪፎርም መንግስቲ መደመር ብተግባር ዘረጋገፀ ኣሰራርሓ እዩ።

ብእመቤት ሲሳይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.