መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምኽባር ርክብ ህዝብታት ንምጥንኻር ዕድል ፈጢሩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ምኽባር፣ ርክብ ህዝብታት ንምጥንኻርን ዘለዉ ባህልታትን ክብርታትን ንኽፍለጡ ዕድል ፈጢሩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር።
ኣብ ከተማ ጅማ ንዝኽበር መበል 21 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝምልከት ናይ ቅድመ ምድላው ስራሕ ንምርኣይን ንምግምጋምን ዝተዳለወ መድረኽ ይካየድ ኣሎ።
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ እዋን ከም ዝበሉዎ፣ እቲ በዓል ብጥንታዊትን ብታሪኻዊ ፅባቐኣን እትፍለጥ ከተማ ጅማ ምኽባሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ሓቅታት ንምልላይን ሓባራዊ ታሪኽ ህዝብታት ንምጉላሕን ዕድል ከም ዝፈጥር ገሊፆም።
እቲ በዓል ሃገራዊ ዘተ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዲሞክራሲያዊ ከይዲ ድሕሪ ምክያዱን ዝኽበር ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ከም ዝህቦ ገሊፆም።
ብኣብዱረህማን መሓመድ