መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 6 ዘበናዊ ድሪምላይነር ኣውሮፕላናት ክዕድግ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ዘበናዊ ቦይንግ 787-9 ድሪምላይነር ኣውሮፕላናት ንምዕዳግ ምስ ኩባንያ ቦይንግ ተፈራሪሙ፡፡
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሜሪካ ቨርጂኒያ ምስቲ ኩባንያ ዝገበሮ ልዑል ስምምዕነት ኣብ ኣየር ዘለዎ ልዕልነት ብዝበለፀ ዘጠናሕር ከምዝሖነ ሓበሬታ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣመልኪቱ።
እቲ ዕድጊት ኣውሮፕላናት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣውሮፓ፣ እስያን ሰሜን ኣሜሪካን ዝግበሩ ኣህጉር ዘቋርፁ በረራታት ብዝበለፀ ምቹውን ተበፃን ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ነዳዲ ብምቑጣብን ብኣገልግሎት ፅዕነተንን ብውፅኢታውነት ተመረፅቲ ኣውሮፕላናት ከምዝኾና እውን ተገሊፁ።
እዚ ዕድጊት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ዘለዎ ዓብዪ እኩብ ድሪምላይነር ብዝበለፀ ዘጠናኽረሉ ኢዩ ተባሂሉ።