መፍረዪ ሓይሊ ማይ ግድብ ኮይሻ ኣብ ዝተተሓዘ ግዜ ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 20፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መፍረዪ ሓይሊ ማይ ግድብ ኮይሻ ኣብ ዝተተሓዘ ግዜ ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ።
ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት መብራቱ ተሾመ (ኢ/ር) ከምዝገለፅዎ፣ ክሳብ ሕዚ ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ ህንፀት እቲ መፍረዪ ሓይሊ ማይ እቲ ግድብ ልዕሊ 77 ሚእታዊ በፂሑ ኣሎ።
እቲ ግድብ 201 ሜትር ቁመት ዘለዎ ኮይኑ፣ መፍረዪ ሓይሊ ምኹዓት ስራሕን ከምኡ እውን ሲቪል ስራሕ ፈላማይ ብርኪ ምምላእ ኮንክሪት ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ካብ 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ምኹዓት መሬት ስራሕ ብምክያድ ብሓፈሻ እቲ ግድብ ዘድልዮ 7 ነጥቢ72 ሚሊየን ሜትር ኩዩብ ኮንክሪት ምምላእ ድማ 81 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ምብፅሑ ገሊፆም፡፡
ስራሕ ሜካኒካል ኤሌክትሮ ብዝተተሓዘሉ ግዜ ንምዝዛም ኣገደስቲ ኣቕሑ ኣብ ብዙሓት ፋብሪካታት ክፍረዩ ከምዝተገብረ እውን ኣመልኪቶም።
እቲ ትካል ንፕሮጀክቱ ዘድሊ ፋይናንስ ባዕሉ ብምሽፋን እቲ ህንፀት እናተፋጠነ ከምዝርከብ እቶም ፈፃሚ ስራሕ ኣብሪሆም።