Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጅቡቲን መሰረት ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ክኸውን ይምነ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጅቡቲን መሰረት ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ክኸውን ይምነ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ስነ-ስርዓት በዓለ ሲመት ዝምረፁ ፕሬዝደንት ጅቡቲ ኢስማኢል ዑመር ጊሌ ንምስታፍ ናብ ጅቡቲ ኣትዩም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገፆም ኣብ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ፤ ‎እቶም ፕሬዚዳንት ንሃገሮም ዝህብዎ ግልጋሎት ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምቕፃል ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ክልቲኤን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ስትራተጂካዊ ሽርክነትን ንሓባራዊ ብልፅግና ህዝብታትናን ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ዞባና ሰላምን ምርግጋእን ንምጥንኻርን መሰረት ንክኾን ይምነ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.