ምስ ህዝቢ ሓዱሽ ውዕሊ ቃል ኪዳን ዝኣትወሉ ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ መድመር
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ መድመር ብመረፃ ዝተዓወተ ፓርቲ ብልፅግና ንዝመረፆ ህዝቢ ኣብ እዋን መረፃ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ንምፍፃም ድልው ምዃኑ ዘረጋግፀሉ መድረኽ እዩ።
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ፃብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 438 ወናብር ብምዕዋት መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎ ዕድል ከም ዝረኸበ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።
ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ምስረታ ሓዱሽ ናይ መንግስቲ ነደነርን ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ባይቶን ዝካየድ ኮይኑ፤ እቲ መንግስቲ ኣብ እዋን መረፃ ክፍፅሞም ቃል ዝኣተወሎም ስራሕቲ ልምዓት ንምፍፃም ምስ ህዝቢ ውዕሊ ዝኣትወሉ ዕለት እዩ።
እቲ ሓዱሽ መንግስቲ መድመር ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገር ዝረኣዩ ጎንፂታትን ፀገማት ፀፅታን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ምኽባር ናብራ ንምቅላልን ኩነታት ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽን ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሎም ጉዳያት እዮም።
ኣብ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት፣ ህዝቢ ተጠቃሚ ክኸውን ዝኽእል ዓበይቲ ፕሮጀክታት ንምጅማር፣ ከምኡ ድማ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ንምዝዛምን ንኣገልግሎት ድልዋት ንምግባርን ከም ዝሰርሕ ዘረጋግፀሉ ክኸውን እዩ።
ንዜጋታት ብኽብሪ ዘገልግል ትካል ምህናፅ፣ ንሕቶታት ህዝቢ ምላሽ ዝህቡ ቅልጡፋትን ዘበናውያንን ኣሰራርሓታት ምዝርጋሕ፣ ከምኡ ድማ ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ዘፈር ኣገልግሎት ካብ ቀንዲ ኣንፈታት ትኹረት እዮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ኣብ ዘፈር ጉዳያት ወፃኢን ዲፕሎማሲን ኢትዮጵያ ዝለዓለ ውፅኢት ብምምዝጋብን ሓደሽቲ ስትራተጂካዊ ኣንፈታት ብምሕንፃፅ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝሰርሓሉ መድረኽ እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ዝገጠማ ስግኣት ፀፅታ ብምምካት ዘላቒ ሰላም ብምርግጋፅ፣ ንዓባይ ሃገርን ዓብዪ ህዝቢን ዝምጥን ዓቢዪ ራኢ ተሓንጊጣ እትሰርሓሉ ቀፀልቲ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቅድሜና ይርከቡ።
ብሚኪያስ ኣየለ