ሰላም እቲ ዞባን ትንሳኤ ኣፍሪካን ብትምኒት ሽርሐኛታት ኣይኹለፍን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብታሪኻ፣ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣን ዓንዲ ሑቐ ስትራቴጂካዊ ሚዛን እቲ ዞባን እያ።
ኣብ ታሪኻ ናይ ባዕላ ሉኣላውነትን ናፅነትን ጥራሕ ዘይኮነትስ ንናፅነት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት፣ ንምስረታ ሕብረት ኣፍሪካን ንምሕላው ሰላም እቲ ዞባን ቀዳመይቲ ተቓላሲይት ኮይና ሓሊፋ።
ሎሚ እውን ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓቕሚ፣ ተፈጥሯዊ ሃፍቲን ብዝሒ ህዝቢን ብምጥቃም ንኣፍሪካ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ፣ ንዞባና ብኢኮኖሚን ሰላምን ንምትእስሳርን “ትንሳኤእ ኣፍሪካ” ጋህዲ ንምግባርን ቀትሪን ለይቲን እናሰርሐት ትርከብ።
ይኹን እምበር ነዚ ዓቢ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ሕልሚ ጋህዲ ንምግባር ጉዕዞ ንምትዕንቓፍ ዝሰርሑ ሓይልታት ኣይጠፍኡን። ብፍላይ መንግስቲ ኤርትራን ሓሸኽሩን ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ናይ ሰላምን ልምዓትን ንጥፈታት ንምንጋዕ፣ ሉኣላዊነታ ብምጥሓስን ኣፍራሲ ግደ ብምፅዋትን ቀዳሞት ኮይኖም ይርከቡ።
ኤርትራ ንምንታይ ንትንሳኤ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ትቃወም?
ምምሕዳር ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኸተሎ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ብዋናነት “ኢትዮጵያ ምድኻምን ሰላማ ምንጋዕን” ኣብ ዝብል እኩይ ስትራቴጂ ዝተመስረተ እዩ።
ሓያል፣ ዝማዕበለትን ሰላማዊትን ኢትዮጵያ ምህላው ንስልጣኑን ፖለቲካዊ ህልውናኡን ስግኣት ከም ዝኾነ ዝሓስብ በዓል መዚ ኤርትራ፣ ንዕቤት ኢትዮጵያን ንምትእስሳር እቲ ዞባን ብፅቡቕ ዓይኒ ክሪኦ ኣይከኣለን።
መራሕቲ ኤርትራ ምዕባለ ኢትዮጵያን ብሰላም ምምሱጓምን ከም ውድቀቶም ገይሮም ይስእሉዎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኢትዮጵያ ሰላም ረኺባ ዓቕማ ናብ ልምዓት ከይተዝውት ንምግባር ኩሉ ግዜ ደበና ስግኣትን ኩናትን ኣብ ልዕሊኣ ከንፀላሉ ይደልዩ።
ኤርትራ ምሉእ ታሪኻ ንኢትዮጵያ ንምድኻም ምስ ዝሰርሑ ናይ ወፃኢ ታሪኻዊ ፀላእትን ውሽጣዊ ኣፍረስቲ ሓይልታትን (ባንዳታት)ን ብምትሕብባር ኣሕሊፋ እያ። ሃፍቲ ኢትዮጵያ ካብ ምዝራፍን ምውሳድን ጀሚሩ ሉኣላውነት እታ ሃገር ዝጥሕሱ ንጥፈታት ክተተኣናግድ ፀኒሓ እያ።
ኢትዮጵያ ንሰላም እቲ ዞባ ካብ ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ተበጊሳ፣ ኤርትራ ትገብሮ ተደጋጋሚ ትንኮያታትን ጥሕሰት ሉኣላውነትን ብዲፕሎማሲያዊ መገዲን ብሰላምን ንምፍታሕ ልዑል ትዕግስቲ ኣርእያ እያ።
እዚ ትዕግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ፍርሒ ዝመፀ ዘይኮነስ፣ ንታሪኻውን ደማውን ምትእስሳር ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዘገናዘበ፣ ሰላም እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ብዝብል ዝተገብረ ፃዕሪ እዩ ነይሩ።
ይኹን እምበር ኤርትራ ነዚ ድሌት ሰላም ከም ድኽመት ብምቑፃር፣ ዝኸፈአ መንገዲ ጥፍኣት መሪፃ ኣላ።
ብዝበለፀ ዘሕዝንን ቁጥዐ ዘልዕልን ተግባር ድማ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ንመሰል ምትእንጋድን ዲፕሎማሲያዊ ክብረትን እታ ሃገር ከም ሽፋን ብምጥቃም፣ ኣብ ትሕቲ ሕቑፊ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘይግቡእ ተግባራት ብምፍፃም ፅኑዕ ቅዋም ሰላም እታ ሃገር እንትፈታተኑ ይረኣዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኢትዮጵያ ትማሊ ዕለት ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ንኽዕፆ ዝወሰነት እንትትከውን፤ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ድማ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ንኽወፅኡ ኣተሓሳሲባ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፤ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈፀመቶ ቀጥታዊን ተዘዋዋሪን ተግባራት ቀስቃሲ ጎንፂን ትንኮሳን ምላሽ ንመሃብ ኣብ ኤርትራ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንምዕፃው ምውሳኑ ኣፍሊጡ።
ኤርትራን ሓሻኽራን ዋላኳ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እንተተዘርግሑ፣ ምስ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ፀላእቲ ተሓባቢሮምን ብሓባር ሰሪሖምን ኢትዮጵያ ንምድኻም እንተፈተኑን፣ ጉዕዞ ሰላምን ምዕባለን ኢትዮጵያ ዝዕንቅፍ ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ትዕግስታ ዓቂባ፣ ኣብ ትሕቲ ሕቑፋ ኮይኖም ዝሓብሩላን ዝሰርሑላን ኣፍረስቲ ሓይልታት ሓቀኛ ሓበሬታ ብምሓዝ፣ ሕጋዊን ዲፕሎማሲያዊን ስጉምቲታት ብምውሳድ ከተቃልዖም ይግባእ።
ሰላም እቲ ዞባን ትንሳኤ ኣፍሪካን ብትምኒት ሽርሐኛታት ኣይቋረፅን፤ ኢትዮጵያ ድማ ንሰላም እቲ ዞባን ንዕቤት ህዝባን እትገብሮ ቃልሲ ብፅንዓት ክትቕፅል እያ።
በታሪኩ ለገሰ