ስነ ምግራባዊ ዝኾነ ትግበራ ዝጠልብ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ስነ ምግባራዊ ብዝኾነ መገዲ ክድገፍን ክምራሕን ኣለዎ።
ፈላማይ ጉባኤ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣፍሪካ (ASMIS-2026) ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ “ፅዕንቶ ፈጠርቲ ንዝሐሸት ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብቲ መድረኽ ሰብ ሞያ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ተኸታሊ ዘለዎም ፈጠርቲ ፅዕንቶ ማሕበራዊ ሚዲያን ብምስታፍ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ንዕቤት ፈጠራ ትሕዝቶ ዘለዎ ረብሓ ዝድህስስ ፓናል ዘተ ተኻይዱ።
ኣብቲ ፓናል ዘተ እቲ ቴክኖሎጂ ፈጠራ ዝተሓወሶም ትሕዝቶታት ካብ ምሕንፃፅ ሓሊፉ ስራሕቲ ዝውገኑ ቅልጣፈኦም ብልዑል ብርኪ ከምዝውስኽ ኣብቲ እዋነ ተሓቢሩ።
ይኹን እምበር ምስቲ ቴክኖሎጂ ተተሓሒዞም ዝመፅኡ ስግኣት ንምክልኻል ኣጠቓቕሙኡ ስነ ምግባራዊ ብዝኾነ መገዲ ምምራሕን ብፖሊሲ ክድገፍ ምግባርን ከምዝግባእ ተሓቢሩ።
ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ዘለዋ ዓቕሚ ንምዕባይን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ንሰናይ ተግባር ንምውዓልን ሓዱሽ ኣንፈት ዝሕብር ኢዩ ከምዝተብሃለ ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ የመላኽት።