Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ቀብሪ ውሪይቲ ኣርቲስት እልፍነሽ ቀኖ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ ስርዓት ቀብሪ ውሪይቲ ኣርቲስት እልፍነሽ ቀኖ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተፈፂሙ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ እታ ኣርቲስትን ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላትን እልፍነሽ ቀኖ፤ መሓዙት ስድራ ቤትን ኣድነቕቲን ነበርቲ ከተማ ኣምቦን ከባቢኣን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተፈፂሙ።

ተፈታዊት ኣርቲስት እልፍነሽ ቀኖ፣ ንብዙሓት ዓመታት ብፍላይ ኣብ ናይ ቃልሲ ደርፊታታትን ግጥምታታን ንመሰል ህዝቢ ኦሮሞ ክትቃለስ ፀኒሓ።

እታ ኣርቲስት ሓይሊ ስነ ጥበብ ብምጥቃም ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ልዑክ ግደ ብምፅዋት ካብ ቀዳሞት ተፀዋዕቲ ድምፃውያን ኮይና ትፅራሕ።

ኣርቲስት እልፍነሽ ቀኖ ኣደ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ነይራ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.