ስግግር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን መንገዲ ህልውናን
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓለምና የጋጥም ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ቅድሚ ሕዚ ዝዝረበሉ ከም ዝነበረ ናይ መፃኢ ስግኣት ዘይኮነስ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህልውና ብዙሓት ሃገራት ዝፍትን ዘሎ ርኡይ ሓደጋ እዩ።
ብፓነል ለውጢ ከባቢ ኣየር ሕቡራት ሃገራት ዝወፁ መፅናዕትታት ከም ዘመላኽትዎ፤ ድርቂ፣ ሓደጋ ውሕጅን ምዝባዕ ኩነታት ኣየርን፣ ብፍላይ ኣብ ዕብየት ዝርከባ ሃገራት ዘላቒ ውድቀት ኢኮኖሚ፣ ዘይምርግጋፅ ውሕስነት ምግብን ሰፊሕ ምምዝባል ህዝብን እናስዓቡ ይርከቡ።
ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር መሰረተ ልምዓታት ክዓኑን ዘፈራት ፍርያት ክዳኸሙን፣ ሃገራዊ ብሓፈሻ ፍርያት ይሃስስ፤ እዚ ድማ ቀፃሊ ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ኣፀጋሚ ይገብሮ።
ኢትዮጵያ ነዚ ዓለምለኻዊ ፈተናን ውሽጣዊ ስግኣትን ቀዲማ ብምርዳእ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይስኮን ሓምለዋይ ህንፀት ኢኮኖሚ ኣብ ማእከል ፖሊሲታት ልምዓታ ብምግባር ክትንቀሳቐስ ፀኒሓ።
ንዘበናት ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ሃገር ኮይኑ ዝፀንሐ ዓውዲ ሕርሻ ካብ ፅልዋ ለውጢ ኩነታት ኣየር ናፃ ምግባርን ሓለዋ ከባቢ ምስ ቁጠባዊ ዕቤት ምትእስሳርን ክፋል ናይዚ ስትራተጂ እዩ።
ኣብ ዓሰርተ ዓመት መሪሕ መደብ ልምዓት ኢትዮጵያ ብግልፂ ከም ከምዝረኣዩ፣ ብዙሃነትን ቁጠባን ድሕነት ከባቢን ተፈላልዮም ዘይከዱ ማዕቀፋት ልምዓት እዮም። እታ ሃገር ኣብ ልቀት ካርቦን ዝተመርኮሰ ዕቤት ኢንዱስትሪ ብምሕዳግ፣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ተሓዳሲ ፍልፍላት ዝተመስረተ ቁጠባ ንምህናፅ እትገብሮ ፃዕሪ ብብርኪ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ይገብራ።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ማይ፣ ንፋስ፣ ፀሓይን ባዮጋዝን ፕሮጅክታት ንዘፈር ኢንዱስትሪ ዘድሊ ፀዓት ካብ ምምላእ ሓሊፎም ልቀት ካርቦን ኣብ ምቕናስ ዓብዪ ግደ ኣለዎም።
ብተሓዳሲ ፀዓት ዝፈሪ ኤሌክትሪክ ንጎረባብቲ ሃገራት ክትቕርብ ምኽኣላ፣ ናይቲ ዞባ ምትእስሳር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዘጠናኽርን ተወሳኺ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ዘምፅእን ስትራተጂካዊ ስጉምቲ እዩ።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ቀሊል መርሃ ግብሪ ምትካል ኣግራብ ሓሊፉ መሳርሒ ቁጠባን ሓለዋ ከባቢን ኮይኑ ይርከብ። ዝበረሱ ተፋሰስቲ መሊስካ ምሕዋይ፣ ምዕባይ ልምዓት መሬትን ከርሰ ምድሪ ማይን ምምሕያሽ ምኽኣሉ ንዓውዲ ሕርሻ ፅኑዕ መሰረት ኣንቢሩሉ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተኻተቱ ከም ኣቮካዶ፣ ማንጎን ፓፓያን ዝኣመሰሉ ንምግቢ ዝውዕሉ ተኽልታት፣ ንዝበረሰ መሬት ካብ ምሽፋን ሓሊፎም ኣታዊ ሓረስቶት ኣዕብዮም። ፅሬት ዘለዎም ፍርያት ፍረታት ናብ ዕዳጋታት ኣውሮፓን ማእከላይ ምብራቕን እናቐረቡ ምህላዎም ንንግዲ ወፃኢ ሕርሻ ኣዕቢይዎ ኣሎ።
ብታሪኹ ለገሰ