ስፓርት
ጋንታታት መቐለ 70 እንደርታን ወልዋሎን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታን ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝከተማ ተገሊፁ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ክልቲኣን ጋንታት ፋይናንሳዊ ዓቕመን ዘጠናኽራሉን ዓርሰን ዝኽእላሉን መገዲ ኣብ ምንዳይ፣ ተተካእቲ ሰገናትን ስፖርት ኣብ ምፍራይ ብሓባር ክሰርሓ ኢየን።
ብተወሳኺ ኣብ ዝውውርን ምውሕሓስ ተፃወቲን ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብ ኩለምዳዊ ዕብየት ስፖርትን ካልኦት ጋንታታን ክልል ትግራይ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝዓለመ ስምምዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እዋናዊ…
Read More...
ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ስዒራታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ዝተኻየደ መበል 19 ሰሙን ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ንጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ።
10፡00 ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ኣዳማ ከተማ ሙሴ ኪሮስ ኣብ 6ይ ደቕን ቢኒያም ኣይተን ኣብ መበል 54 ደቒቕ ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ክትዕወት ክኢላ።…
ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ብጉድኣት ምኽንያት ንዘይተወሰነ ግዘ ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ፋሲል ከነማን ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ብዘጋጠሞ ከቢድ ጉድኣት ምኽንያት ንዘይተወሰነ ግዘ ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ገሊፆም፡፡
ብኽባር ዝውውር ናብ ጋንታ ፋሲል ከነማ ዝተፀምበረ ኣማኑኤል÷ እታ ጋንታ ትማሊ ምስ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ማዕረ ኣብ ዝተፈለለየትሉ…
ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣለልኝ ኣዘነ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ባህርዳር ከተማን ኣለልኝ ኣዘነ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ባህርዳር ከተማ ከምዝሓበሮ፤ ኣለልኝ ብጉድኣት ምኽንያት ካብታ ጋንታ ተፈልዩ ናብ ትውልዲ ቦቱኡ ኣርባ ምንጭ ንዕረፍቲ ዝኸደ እንትኸውን ትማሊ ምሸት ሃንደበት ህይወቱ ሓሊፉ።
ኣለልኝ ኣዘነ ናይ ኩዕሾ…
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።
ኣብ ቻይና ከተማ ሁዋን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጒያ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትለየት ማሬ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ብ2 ሰዓት 25 ደቒቓን 12 ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና።
ብተመሳሳሊ ኣብ ጣሊያን ከተማ ሚላኖ…
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንሌሴቶ 2 ን 1 ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ዙር ፀወታ ምሕዝነት ንሌሴቶ 2 ን 1 ብመስዓር ተዓዊታ።
ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምሕዝነት ፀወታ÷ ሃገራዊት ጋንታ ሌሴቶ ቅድሚ ዕረፍቲ ብሌህሎሆኖሎ ፎቶኣኔ ብዘመዝገባ ብሕታዊት ሸቶ እናመርሐት ናብ ዕረፍቲ ወፂኣ ነይራ፡፡
ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ድማ…
ኣትሌት ዘውዲቱ ኣደራው ኣብ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 13 መላእ ፀወታታ ኣፍሪካ ብፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ዘውዲቱ ኣደራው 2ይቲ ብምውፃእ ንሃገራ ሜዳሊያ ብሩር ክተምፅእ ክኢላ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ውድድር 20 ኪሎ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ እናተኻየደ እንትኸውን÷ ኣትሌታት ተሰማ መኮነን፣ ማስረሻ ብሪን ሃፍታሙ ኣባዲ ኢትዮጵያ ብምውካል እናተወዳደሩ…