Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ብደቂ ኣኒስቲዮ ውድድር 5 ሺሕ ብጉዳፍ ፀጋይ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ብደቂ ኣኒስቲዮ ውድድር 5 ሺሕ ብጉዳፍ ፀጋይ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ። ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ኢያ ዛዚማቶ። ኔዘርላንድ ብምውካል ዝተሳተፈት ሲፋን ሀሰን ወርቅ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ወርቂ ረኺባ። ኬንያዊት ኣትሌት ሄለን ኦብሪ ድማ ካልአይቲ ብምዃምን ሜዳሊያ ብሩር ኮይና። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እጅጋየሁ ታዬን ሰምበሬ ተፈሪን ድማ ሓምሻይን ሻድሻይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…
Read More...

ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ብደቂተባዕቲዮ መሰናክል ለሜቻ ግርማ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ብደቂተባዕቲዮ  መሰናክል ውድድር 3000 ሜትሮ ለሜቻ ግርማ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ረኺቡ። ለሜቻ ግርማ ነቲ ርሕቐት ብ8 ደቒቓ 10 ሰኮንድን 38 ማይክሮ ሰኮንድን ኢዩ ዛዚሙዎ። ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጌትነት ዋለ  ድማ ነቲ ርሕቐት ብ8 ደቒቓ 14 ሰኮንድን 97 ማይክሮ ሰኮንድን…

ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ሎሚ መዓልቲ ትፅቢት ዝግበረሎም ናይ ፍፃመ ውድድራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝግበሩ ናይ ፍፃመ ውድድራት ኢትዮጵያን ኣትሌታት መዳሊያ ወርቂ ንከምፅኡ ትፅቢት ይግበረሎም። ብመሰረት እዚ ብደቂ ተባዕቲዮ ሰዓት 9:15 ኣብ ዝግበር ውድድር 3000 ሜትሮ መሰናክል ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ጌትነት ዋለን ክወዳደሩ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ብደቂ ኣኒስቲዮ ሰዓት…

ኣትሌት ፍሬወይኒ ገ/እግዚአብሄርን ኣትሌት ለምለም ሃይሉን ብ1500 ሜትሮ ንፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ፍሬወይኒ ገ/እግዚአብሄርን ኣትሌት ለምለም ሃይሉን ብ1500 ሜትሮ ንፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን። ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ መፃረዪ ውድድር 1500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ምድባት ተደልዲለን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሰለስተ  ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፋ እንትኾና፥ ካብ መንጎ እተን ዝተወዳደራ ኣትሌታት ድርቤ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተወዳደርቲ 3000 ሜትሮ መሰናክል መቅደስ ኣበበን ዘርፌ ወንድማገኝን ንፍፃመ ውድድር ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣  25 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቶኬዮ 2020 ኦሎምፒክ ደቂ ኣንስትዮ  ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተወዳደርቲ 3000 ሜትሮ መሰናክል መቅደስ ኣበበን ዘርፌ ወንድማገኝን ንፍፃመ ውድድር ሓሊፈን። መፃረይ ዝሓለፋ ክልቲአን ኣትሌታት መፃኢ ዕለተ ረቡዕ ኣብ ዝካየድ  ውድድር ፍፃመ  ንኢትዮጵያ ብምውካል ክወዳደራ እየን። ኦሎምፒክ ቶኬዮ ኢትዮጵያ ናይ ፈለማ…

ኣብ ኦሊምፒክ ቶኪዮ 10 ሺሕ ሜትሮ ተዓወትቲ ንዝኾኑ ኣትሌታት ስነ ስርዓት ሽልማት ሜዳሊያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦሊምፒክ ቶኪዮ 10 ሺሕ ሜትሮ ተዓወትቲ ንዝኾኑ ኣትሌታት ስነ ስርዓት ሽልማት ሜዳሊያ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ። ብመሰረት እዚ ነተ ውድድር ብ27 ደቒቓ 43 ሰከንድን 22 ማይክሮ ሰከንድን ዝዛዘመ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ንኢትዮጵያ ናይ መጀመሪያ ሜዳሊያ ወርቂ  ተረኪቡ፡፡ ኡጋንዳዊ ኣትሌታት ጆሽዋ ቺፕቴጌን ጃኮብ ኪፕሊሞን…

ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ ኦሊምፒክ  ናይ መጀመሪያ ወርቂ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣  23 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ ኦሊምፒክ  ብኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ናይ መጀመሪያ ሜዳሊያ ወርቂ ተዓዊታ። ኣብቲ ዝተገበረ ውድድር 10 ሺሕ ሜትሮ ሰለሞን ባረጋ ንኢትዮጵያ ናይ መጀመሪያ ወርቂ ኣምፂኡ። ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ነቲ ርሕቐት ብ27 ደቒቓ 43 ሰከንድን 22 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ግዘ ኢዩ ዛዚሙዎ። ኣትሌት በሪሁ…