Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ፅዋዕ ዓለም ንምርኢት ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅዋዕ ዓለም ንምርኢት ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ኢዩ። እቲ ፅዋዕ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጉንበት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅእ ተፈሊጡ። ፅዋዕ ዓለም ንምረኢት ካብ ሞንጎ ዝቐርበለን ሃገራት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ሓንቲ ኢያ። ምስቲ ፅዋዕ ዓለም ድማ ፈረንሳዊ ነበር ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ዴቪድ ትሪዝጌ ሓቢሩ ከምዝመፅ እውን ተፈሊጡ። ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ! እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና…
Read More...

3ይ ዙር ውድድር ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ ዝፀንሐ ሳልሳይ ዙር ውድድር ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ። እቲ ሳልሳይ ዙር መርሃ ግብሪ፥ ትማሊ ምሸት ፋሲል ከነማ ንወላይታ ዲቻ 3 ን 1 ኣብ ዝረትዐትሉ ፀወታ ኢዩ ፍፃምኡ ረኺቡ፡፡ ኣብ ሳልሳይ ዙር ብሓፈሻ 48 ፀወታታት ኣብ ከተማ ኣዳማ ተኻይዶም 110 ሽቶታት ዝተመዝገቡ…

ኣብ ጀርመን ዝተካየደ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደሽቲ ኩባንያ 'adizero' ብዝብል ኣብ ጀርመን ዝተካየደ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም። ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፥ ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሰንበሬ ተፈሪ 14 ደቂቃ 37 ሰከንድ 2 ማይክሮ ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ ወፂኣ፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣትሌት መዲና ኢሳ…

ኣብፀወታ ቤትኪንግ ፕርሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 20 ፀወታ ቤትኪንግ ፕርሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ፋሲል ከነማ ንኣርባምንጭ ከተማ 1 ን 0 ብመስዓር ተዓዊታ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ዝተገበረ ፀወታ፥ በዛብህ መለዮ ብዘቑፀራ ብሕታዊት ሽቶ ጋንታ ፋሲል ከነማ ሰለሰስተ ነጥቢ ሒዛ ክትወፅእ ክኢላ፡፡ ፋሲል ከነማ ሎሚ ምስዓራ ስዒቡ…

ኣብ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማ ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማ ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን። ሎሚ መዓልቲ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ብዝተገበረ ፀወታ፥ ክልቲአን ጋንታታ ብዘይ ዝኾነ ሽቶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡ ውፅኢት እቲ ፀወታ ስዒቡ ጋንታ ኣዲስ ኣበባ ኣብ…

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻየዱ ዓለም ለኸ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ሓዊሱ ተዓዊቶም። ኣብ ማራቶን ሃምቡርግ ኣትሌት ያለም ዘርፍ የኋው 2 ሰዓት 17 ደቒቕ 23 ሰኮንድ ብዝኾነ ሰዓት ብምእታውን ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽን ተዓዊታ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ማራቶን ማድሪድ ኣትሌት ስራነሽ…

ኢንተርናሽናል ዳኛ ባምላክ ተሰማ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ንምምራሕ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ኢንተርናሽናል ዳኛ ባምላክ ተሰማ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ጋንታታት ማማሎዲ ሰንዳውስን ፔትሮ ኣትሌቲኮን ንምምራሕ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣቲዮም። ውድድር ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪካ ናብ ፍፃመ እናተቓረበ ዝርከብ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ፍርቂ ፍፃመ ዝኣትዋ ጋንታታት ዝፍለያሉ ናይ መልሲ ፀወታ ክካየዱ…