Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዋና ኣሰልጣኒኣን ሓገዝቶምን አጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ ማሕበር ስፖርት ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ልዕሊ ዋና ኣሰልጣኒ፣ ሓገዝቲ ኣሰልጠንቲን ኣሰልጣኒ ሓላዊ ልዳትን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ እገዳ ምንባሩ ኣፍሊጡ። እቲ ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት እታ ጋንታ ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ገሊፁ። ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣሰልጠንቲ ግዜያዊ እገዳ ብምንባር ኣብ ተግባር ምስልጣን እታ ጋንታ ከይሳተፉ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ፥ ኮሚቴ ቴክኒክ ንኽናበት…
Read More...

ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንምስታፍ ምድላው ንክገብሩ ናብ ካምፕ ዘእተዎም ኣትሌታት በቲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንምስታፍ ምድላው  ንክገብሩ ናብ ካምፕ ዘእተዎም ኣትሌታት በቲኑ። እቶም ዝተመልመሉ ኣሰልጠንቲን ኣትሌታትን ኢትዮጵያ ብምውካል 30 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ቶጎ፣ ሎሜ ንኽሳለጥ ኣብ ዝተሓሰበ መበል ሻድሻይ ዙር ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ዝሳተፉ ኢዮም።…

ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ከካይደኦ ዝነበራ ፀወታ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ ምሸት ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ከካይደኦ ዝነበራ ፀወታ ፕሜር ሊግ እንግሊዝ ብምኽንያት ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ንኻሊእ ግዘ ተናዊሑ። እቲ ፀወታ ንኻሊእ እዋን ክናዋሕ ዝኸኣለሉ ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት፥ ወናኒ ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኦሎምፒያኮስን ኖቲንግሃም ፎረስትን ኢቫንጄሎስ ማሪናኪስ ብዝተገበረሎም ምርመራ በቲ ቫይረስ…

ኣብ ካልኣይ ዙር ፈላማይ ፀወታ ፕሚየርሊ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ እንትዕወት ወልዋሎ ነጥቢ ተማቒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታታት ቀፂሎም ውዒሎም። ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝተራኸበት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ብብሕታዊት ሽቶ ኦኪኪ ኣፎላቢ 1 ን 0 ተዓዊታ። በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ሊግ እናመርሓ ምስዝርከባ ጋንታታት ዘለዋ ነጥቢ ምምፅባብ ናይ…

ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ክቕፅሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ክቕፅሉ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ፅባሕ ቀዳም 28 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኢትዮጵያ ቡና ምስ ስሑል ሽረ ከምኡ'ውን ፋሲል ከነማ ምስ ኣዳማ ከተማ ክራኸባ ኢየን። ሰንበት ድማ መሪሕ እቲ ሊግ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንወልቂጤ ከተማ ኣብ…

29 ለካቲት ካብ ኣደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ መቐለ ጉዕዞ እግሪ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)29 ለካቲት 2012 ዓ/ም ካብ አደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ ጉዕዞ እግርን ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሽግ ኦሎምፒክ ቶክዮን ከምዝካየድ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ መስቀል መቐለ ገሊፁ። እቲ ጉዕዞ እግሪ "ጥዕናን ልምዓትን ንመኸተ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እንትኸውን፥ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ፣…

ጋንታታት ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማን ምስ ኣሰልጠንተን ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታታት ፕሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማን ምስ ኣሰልጠንተን ተፈላሊየን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መልቀቒ ደብዳቤ ዘእተዉ ኣሰልጣኒ ጋንታ ስሑል ሽረ ሳምሶን ኣየለ፥ ካብታ ጋንታ ከምዝተፈላለዩ ካብ ሶከር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ንሓደ ዓመት ዝኣክል ምስታ ጋንታ ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ኣሰልጣኒ፥…