ስፓርት
ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ሳውዝሃምፕተንን 3 ን 0 ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል ራብዓይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ፥ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ሳውዝሃምፕተንን 3 ን 0 ተዓዊታ።
ሓዱሽ ፈራሚ ማቲየስ ዴሊትን ማርከስ ራሽፎርድን ቅድሚ ዕረፍቲ ክልተ ሸቶታት እንተቑፅሩ፥ጋርናቾ ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ሓንቲ ብምውሳኽ ጋንተኦም ሰለስተ ንባዶ ንክትስዕር ገይሮም።
Read More...
ኣብ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ አብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ብመሰረት እዚ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሳውዝሃምፕተን ሰዓት 8፡30 ኣብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ከምዝረኻቡ እቲ መርሃ ግብሪ ይገልፅ።
11 ሰዓት ድማ፥ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ብሬንትፎርድ፣ ሊቨርፑል ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ብራይተን ምስ…
ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ ኣብ ጋንታ ኣርሰናል ንምፅናሕ ዘኽእሎ ውዕሊ ኣናዊሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሰናል ሚኬል ኣርቴታ ኣብታ ጋንታ ንተወሰኽቲ ዓመታት ዘፅነሖ ውዕሊ ኣናዊሑ፡፡
ብመሰረት እዚ ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ኣርቴታ ኣብ ጋንታ ሰሜን ለንደን ንተወሰኽቲ ሰለስተ ዓመታት ንምፅናሕ ዘኽእሎ ክታም ምንባሩ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፡፡
ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ፊርማ ኣብ ዝሃ ርኢቶ ድማ÷ ኩንትራት ብምንውሑ ትኽክለኛ…
ዋልያታት ኣብ 2025 መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሞሮኮ ካልኣይ ዙር ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋልያታት ኣብ 2025 መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሞሮኮ ካልኣይ ዙር ፀወተኦም ምስ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከካይዱ ኢዮም።
እቲ ፀወታ ፅባሕ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም ብሄራዊ ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ኢዮም ከካይዱ።
ኣብ ህማምን ጉድኣትን ዝነበሩ ኣብነት ደምሴን ወገኔ ገዛኸኝን ዋልያታት ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ ናይ…
ንልኡኽ ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ኣፍልጦን ሽልማትን ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ -ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ተሳቲፉ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገበ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማት ተበርኪቱሉ፡፡
ልኡኽ ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ተሳትፎኡ 6 ወርቂ፣ 2 ብሩርን 2 ነሓስን ሜዳሊያታት ብምእካብ ካብ ኣፍሪካ 1ይ ካብ ዓለም 2ይ ደረጃ ብመሓዝ…
ሃገራዊት ጋንታ ኢዮጵያ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ታንዛኒያ ክተካይድ ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢዮጵያ ኣብ 2025 ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ ቀዳማይ መፃረዪ ፀወታኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ታንዛኒያ ክትፃወት ኢያ፡፡
እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ክካየድ ኢዩ።
ዋልያታት ትማሊ ኣብ ናሽናል ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ናይ መወዳእታ ልምምዶም ምግባሮም…
ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ፓራሊምፒክ 3 ሜዳሊያታት ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ውድድራት ፓራሊምፒክ ኢትዮጵያ 2 ወርቂን 1 ብሩርን ሜዳሊያታት ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ።
ብመሰረት እዚ ኣትሌት ትእግስት ገዛሀኝ ብ1 ሺሕነ 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዋግዋጎ (T-13)ን ያየሽ ጌቴ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዓይነ ስዉራት ደቀአ ኣንስትዮ (T-11)ን ሚያዲያ ወርቂ…