Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ካልአይቲ ብምዃን እቲ ሻምፒዮና ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ፔሩ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ። ኣብቲ ውድድር÷ 6 ወርቂ፣ 2 ብሩርን 2 ነሓስን ብሓፈሻ 10 ሜዳሊያታት ብምእካብ ኢያ ዛዚማ። ኣትሌት መዲና ኢሳ ብ5 ሺሕ ሜትሮ፣ ሲምቦ ዓለማየሁ ብ3 ሺህ ሜትሮ መሐንኩሎ፣ ጀነራል ብርሃኑ ብ800 ሜትሮ፣ ኣለሺኝ ባወቀ ብ3 ሺሕ ሜትሮ፣ ሳሮን በርሀ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮን ኣብዲሳ ፈይሳ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮን ዝተሳተፍሉ ውድድር…
Read More...

ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት፥ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኡ። ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ 3:40.51 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢዩ ቀዳማይ ወፂኡ።

ኢትዮጵያ ብውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዩ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዩ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ። ኣትሌት ሳሮን በርሀ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኢያ ነቲ ሜዳሊያ ኣምፂኣ። ኣትሌት ፅጌ ተሾመ ድማ 4:23.81 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው መበል 12 ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማ።

ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያውያን ልዑል ትፅቢት ዝግበሩሎም ሰለስተ ውድድራት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ እንትካየድ ዝነበረ ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና  ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ ክዛዘም ኢዩ። ብመሰረት እዚ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ፥ ኢትዮጵያውያን ልዑል ትፅቢት ዝግበሩሎም ሰለስተ ውድድራት ክካየዱ ኢዮም። ኣትሌት ሳሮን በርሀን ፅጌ ተሾመን ብ1 ሺሕን 500 ሜትር ደቂ ኣኒስቲዮ ለይቲ ሰዓት 7:00…

ኣትሌት ኣለሽኝ ባወቀ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ንሃገራ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ኣለሽኝ ባወቀ ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና  ትሕቲ 20 ዓመት 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ንሃገራ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ። ኣትሌት ኣለሽኝ ነቲ ርሕቐት ብ8:50.32 ብምዝዛም ኢያ ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ። ብመሰረት እዚ ንሃገራ መበል ራብዓይ ሜዳሊያ ወርቂ ምምዝጋብ ክኢላ ኣላ።…

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ሮም ብ5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ መበል 13 ውድድር ዳይመንድ ሊግ ሮም 2024 ብ5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ። ኣትሌት ሓጎስ ገ/ህይወት ነቲ ርሕቐት ብ12 ደቒቓ 51 ሰከንድን 07 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጀልቻን ሰለሞን ባረጋን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም…

ኢትዮጵያ እትሳተፈሎም 4 ውድድራት ፍፃመ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፥ ኢትዮጵያ እትሳተፈሎም 4 ውድድራት ፍፃመ ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ህይወት ኣምባውን ኣትሌት ብርሃን ሙሉን ዝሳተፋሉ ውድድር ስጉሚ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ምሸት ሰዓት 12፡25 ክካየድ ኢዩ። ብደቂ ተባዕቲዮ 800 ሜትሮ ድማ ኣትሌት…