Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ኣትሌት ደረሳ ገለታ 2ይ ደረጃ ወፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቫሌንሺያ ብደቂ ተባዕትዮ ደረሳ ገለታ ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡ ኬንያዊ ኣትሌት ሴባስቲያን ሳዌ ኣብቲ ውድድር ዝተዓወተ እንትኸውን÷ ካሊእ ኬንያዊ ኣትሌት ዳኒኤል ማቴኮ ሳልሳይ ወፂኡ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣትሌት ጪምዴሳ ደበሌ 6ይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ እቲ ውድድር ዝነበረ ኣትሌት ሲሳይ ለማ 10ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡ ኣብ ውድድር እዚ ዓመት ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ እውን ተሳቲፉ ኢዩ፡፡
Read More...

ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ኣትሌት መገርቱ ኣለሙ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቫሌንሺያ ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት መገርቱ ኣለሙ ተዓዊታ። እታ ኣትሌት ውድድራ ንምዝዛም 2 ሰዓት 16 ደቒቕን 49 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ዛዚማ፡፡ ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ጥሩዬ መስፍን ሳልሰይቲ እንትትወፅእ፥ ኡጋንዳዊት ኣትሌት ስቴላ ቼሳንድ ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ፡፡

ኣብ ለንደን ደርቢ ዌስታም ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ሃንቀውታ ስሒቡ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየድ መበል 13 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ አንግሊዝ ኣብ ለንደን ደርቢ ዌስታም ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ሃንቀውታ ስሒቡ ኣሎ። እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 2፡30 ኣብ ስታዲየም ለንደን ክካየድ ኢዩ። ብራዚላዊው ተኸላኻላይ ጋብረኤል ማጋሌሽ ብምኽኒያት ጉድኣት መስላፉ ከምዘጠራጥር ኣሰልጣኒ…

ሊቨርፑል ኣብ ውድድራት ቻምፒየንስ ሊግን ፕሪሚየር ሊግን ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ይመርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ሰዓት 5፡00 ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ሪያል ማድሪድ 2 ን 0 ተዓዊቱ። ንጋንታ ሊቨርፑል ማክ ኣሊስተርን ኮዲ ጋክፖን ነተን ሸቶታት ንሕድሕዶም ኣቑፂረሙወን። ጋንታ ሊቨርፑል ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘካየድዎ ፀወታታት ቻምፒየንስ 15 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም…

ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ሊቨርፑል ምስ ሪያል ማድሪድ ዝገብረኦ ንሕንሕ ልዑል ትፀቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)5ይ ዙር ካልኣይ መዓልቲ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ቀፂሎም እንትካየዱ ሊቨርፑልን ሪያል ማድሪድን ኣብ ኣንፊልድ ዝገብረኦ ንሕንሕ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ምሸት ሰዓት 2፡45 ሰርቢያዊት ጋንታ ሬድ ስታር ቤልግሬድ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ስቱትጋርት ከምኡ እውን ኦትስሪያዊት ስትሩም ግራዝ ምስ ስፔናዊት ጋንታ ዢሮና…

ንፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብፕሬዚዳንትነት ንምምራሕ ዝወዳደሩ ሕፁያት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ብፕሬዚዳንትነት ንምምራሕ ዝወዳደሩ ሓሙሽተ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ዕላዊ ኮይኖም። ብመሰረት ካብ ክልል ትግራይ ኣትሌት ገ/እግዚአብሔር ገ/ማርያም፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ያየህ ኣዲስ፣ ካብ ክልል ኦሮሚያ ኣትሌት ስለሺ ስሂን፣ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኮ/ር ግርማ ዳባ፣ ካብ…

ባየርንሙኒክ ምስ ፒኤስጂ ከምኡ እውን ስፖርቲንግ ሊዝበን ምስ ኣርሰናል ዝገብረኦ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓምሻይ ዙር ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት እንትካየዱ ባየርንሙኒክ ምስ ፒኤስጂ ከምኡ እውን ስፖርቲንግ ሊዝበን ምስ ኣርሰናል ዝገብረኦ ግጥም ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ምሸት ሰዓት 2፡45 ስሎቫን ብራቲስላቫ ምስ ኤ ሲሚላን ከምኡ እውን ስፓርታ ፕራግ ምስ ትሌቲኮ ማድሪድ ክፃወታ ኢየን፡፡ ምሸት ሰዓት 5 ድማ ኣብ…