ስፓርት
ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ብደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ብደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ።
ኣትሌት ሲምቦ ብ9 ደቒቕ 12 ሰከንድን 71 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ክብረወሰን እቲ ሻምፒዮና ብምስባር ኢያ ክትዕወት ክኢላ ዘላ፡፡
ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ፍረህይወት ገሰሰ ብ9 ደቒቕ 34 ሰከንድን 50 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ርብዐይቲ ብምውፃእ ውድድራ ዛዚማ።
Read More...
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሎም ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍቢሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 20 ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዕድመ ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሎም ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም።
ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትር መሐንኩሎ ለይቲ ሰዓት 7፡37 ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁን ትዕግስት ገሰሰን ንኢትዮጵያ ብምውካል ክሳተፋ…
ብ5000 ሜትር ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት 5000 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን።
ኣትሌት መዲና ኢሳ ብ14:39:71 ቀዳመይቲ ብምውፃእ ክብረወሰን ዓለም እቲ ውድድር ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊታ።
ኣትሌት መቅደስ ኣለምሸት ድማ ብ14:57:44 ካልአይቲ ብምውፃእ ተሸላሚት ሜዳልያ ብሩር ኮይና።
ብተመሳሳሊ ብ5000…
ኢትዮጵያ ትፅቢት እትግበረሎም ክልተ ውድድራት ፍፃመ ኣትሌቲክስ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ፔሩ ሊማ ዝካየድ መበል 20 ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ለይቲ 7፡25 ኣብ ዝካየድ 5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት መዲና ኢሳን መቅደስ ኣለምእሸትን ክዕወታ ኢየን ዝብል ልዑል ትፅቢት ኣሎ።
ሰዓት 7፡55 ድማ 5 ሺሕ ሜትሮ ፍፃመ…
ኣብ ቦነስ ኣይረስ ዝተኻደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ገርባ ዲባባ ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣርጀንቲና ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ገርባ ዲባባ ተዓዊቱ፡፡
እቲ ኣትሌት ነቲ 21 ኪሎ ሜትር ብ1 ሰዓት 26 ሴኮንድ ብዝኾነ ሰዓት ክዕወት ክኢሉ፡፡
ኬኒያውያን ሙዋንጊ ኮስማስን ሪቻርድ ያተር ሪቻርድን 2ይን 3ይን ብምውፃእ ዛዚሞም፡፡
ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ…
ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣብ ፅዋዕ ካፍ ኮንፌዴሬሽን ናብ ቀፃሊ ዙር ክትሓልፍ ኣከኣለትን
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድመ መፃዪ ፀወታ ፅዋዕ ካፍ ኮንፌዴሬሽን 2024/25 ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ብኬንያዊት ጋንታ ኬንያ ፖሊስ ብድምር ውፅኢት ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ወፃእ ኮይና።
ክልቲአን ጋብታታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣበበ በቂላ ኣብ ዝገበረኦ ናይ መልሲ ፀወታ÷ ኬንያ ፖሊስ 1 ን 0 ተዓዊታ።
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኬንያ ፖሊስ ብሓፈሻዊ…
ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኣብ መበል 17 ውድድር ፓራሊምፒክ ንዝሳተፍ ልኡኽ ኣበረታቲዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ መበል 17 ውድድር ፓራሊምፒክ ንዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣበረታቲዐን።
ወይዘሮ ሸዊት ኣብቲ እዋን÷ እቲ ሚኒስቴር ንኢትዮጵያ ዝወከሉ ስፖርተኛታት ዓቒሚ ብዝፈቐዶ መጠን ኣብ እዋን ምፍናውን ኣቀባብላን ኣብ ጎኖም ከምዝኸውን ብምግላፅ ብዓወትን ብሰላም ንኽምለሱ…