Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ሎሚ መዓልቲ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ራብዓይ ዙር ውድድራት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ዝካየዱ እንትኾኑ÷ ሪያል ማድሪድ ምስ ኤሲሚላን ከምኡ እውን ሊቨርፑል ምስ ባየርሊቨርኩሰን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ምሽት ሰዓት 2፡45 ፒኤስቪ አይንድሆቨን ምስ ስፔናዊት ጋንታ ዢሮና፤ ከምኡ እውን ስሎቫኪያዊት ስሎቫን ብራቲስላቫ ምስ ክሮሺያዊት ጋንታ ዳይናሞ ዛግሬብ ክፃወታ ኢየን፡፡ ብካሊእ መርሃ ግብሪ ፀወታ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ስታዲየም ሳንቲያጎ ቤርናባው ሪያል ማድሪድ ምስ ኤሲሚላን ዝገብረኦ ፀወታ ልዑል ኣቓልቦ ስሒቡ…
Read More...

ቶተንሃም ንኣስቶን ቪላ 4 ን 1 ብምስዓር ደረጃኣ ኣመሓይሻ

ኣብ 10ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ሜዳኣ ንኣስቶንቪላ ዘታኣናገደት ቶተንሃም 4 ን1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ። ኣስቶንቪላ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣብ መበል 32 ደቒቅ ሮጀርስ ብዘመዝገባ ሸቶ 1 ን 0 ክትመርሕ ክኢላ ነይራ። ይኹን እምበር ድሕሪ ዕረፍቲ፤ ጆንሰን ኣብ መበል 49 ደቒቕ፣ ዶሚኒክ ሶላንኬ ኣብ መበል 75 ን 79ን ደቒቕ ከምኡ እውን ማዲሰን ኣብ መበል 97…

ባህርዳር ከተማን ወላይታ ድቻ ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 7ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ባህርዳር ከተማን ወላይታ ድቻ 0 ን 0 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ብምፍልላይ ነጥቢ ተማቒለን፡፡ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ተመጣኒ ዝኾነ ምንቅስቓስ ነይሩዎ። 7ይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 1 ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ኣርባምንጭ…

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ-ግብሪ ፕርሚየር ሊግ ኣርሰናል ምስ ኒውካስትል ዩናይትድ ዝገብርኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ዓስራይ ሰሙን መርሃ-ግብሪ ፕርሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓንቲ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እንግሊዝ ክካየድ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀትሪ ጋንታ ኣርሰናል ናብ ስታድየም ሴንት ጀምስ ፓርክ ብምጉዓዝ ምስ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትገጥም እያ። ብተወሳኺ በርንማውዝ ምስ ማንችስተር ሲቲ፣ ኢፕስዊች…

ሩበን ኣሞሪም ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይድ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ንጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ዋና ኣሰልጣኒ ብምዃን ንኽመርሑ ብዕሊ ተሾይሞም፡፡ ብምሰረት እቲ ስምምዕነት ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ኣብ ኦልትራፎድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2027 ዘፅነሖ ኩንትራት ፈሪሞም፡፡ ሆላንዳዊ ሩድ ቫል ኒስትሮይ ብምክትል ኣሰልጣንነት ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ባሀር ዳር ከተማ ምስ ሲዳማ ቡና ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 6ይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡ ብመሰረት እዚ÷ ባህር ዳር ከተማ ምስ ሲዳማ ቡና ሰዓት 10 ከምኡ እውን ሃድያ ሆሳእና ምስ ወላይታ ድቻ ሰዓት 1 ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ፀወተአን ከምዘካይዳ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የመላኽት፡፡

ማንቼስተር ዩናይትድ ንኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ኣሰናቢቱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይትድ ኤሪክ ቴን ሃግ ካብ ሓላፍነቶም ተሰናቢቶም። ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ኣብ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ድኹም ጉዕዞ እናገበሩ ብምንባሮም ወቐሳ እናበፅሖም ፀኒሑ ኢዩ፡፡ ዩናይትድ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ መበል 9ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብጋንታ ዌስትሃም 2 ን 1 ከምዝተሰዓረት…