ስፓርት
ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ዳዊት ወልዴ እንትዕወት ጥሩነሽ ዲባባ 3ይቲ ወፂኣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስፔን ከተማ ማድሪድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ እንትዕወት ኣትሌት ውርይቲ ጥሩነሽ ዲባባ 3ይቲ ወፂኣ።
ጥሩነሽ ዲባባ እቲ 10 ኪሎ ሜትሮ ብ30 ደቒቕ 03 ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ፡፡
ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ኪሎ ሜትሮ ድማ ዳዊት ወልዴ 26 ደቒቕ 55 ሰከንድ ብምእታው እንትዕወት÷ ኬንያዊ ኣትሌት ቪንሴንት ኪማዮ 2ይ ኡጋንዳዊ ማርቲን ኪፕሮቲች ድማ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡
Read More...
ኬልያን ኤምባፔ ሪያል ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዕሊ ተፀምቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳዊ ተፃታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ኬልያን ኤምባፔ ብናነፃ ዝውውር ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዕሊ ተፀምቢሩ፡፡
ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴን ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ) ዝነበሮ ውዕሊ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 30 ሰነ 2024 ዝዛዘም ኤምባፔ÷ ብሓሙሽተ ዓመት ኩንትራት ኢዩ ሻምፒዮና ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓን ላሊጋን ናብ ዝኾነት…
ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብውድድር ጒያ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብውድድር ጒያ ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ።
ኣብቲ ውድድር 12፡36፡73 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢዩ ተዓዊቱ።
ኣትሌት ሓጎስ፥ ኣብ ታሪክ ናይ ኩሉ ግዘ ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ምምዝጋቡ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም…
ቪንሴንት ኮምፓኒ ኣሰልጣኒ ጋንታ ባየር ሙኒክ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናት ጋንታ ባየር ሙኒክ ንቤልጂማዊ ቪንሴንት ኮምፓኒ ብኣሰልጣኒነት ከምዝሾመቶ ኣፍሊጣ፡፡
ኮምፓኒ ንጋንታ ባየር ሙኒክ ብሓላፍነት ተረኪቡ ዘሎ÷ ነበር ኣሰልኒ እታ ጋንታ ዝነበረ ቶማስ ቱሄል ምስንባታ ስዒቡ ኢዩ፡፡
በዚ ድማ ኣሰልጣኒ ቪንሴንት ኮምፓኒ ንጋንታ ባየርሙኒክ ንስለስተ ናይ ውድድር ዓመታት ንምስልጣን ክሳብ…
ኣትሌት ሱቱሜ ኣሰፋ ናብ ጉጅለ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ተፀምቢራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሱቱሜ ኣሰፋ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኢትዮጵያ ብምውካል ናብ ዝሳተፍ ጉጅለ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ተፀምቢራ።
እታ ኣትሌት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 8 ግንቦት ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ብማራቶን ዝውክሉ ኣትሌታት ሽም ዝርዝር ዕላዊ እንትገብር እንተይተኻተት ምትራፋ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ እታ ኣትሌት ንኮሚቴ…
ኣብ ዳይመንድ ሊግ ራባት ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞሮኮ ራባት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን።
ኣብቲ ውድድር ኣትሌት መዲና ኢሳ 14:34.16 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ እንትትወፅእ፤ ኣትሌት ፎትየን ተስፋይ ድማ 14:34.21 ብዝኾነ ሰዓት ካልአይቲ ወፂኣ።
ኣብቲ ውድድር…
ማንቸስተር ሲቲ ሻምፒዮና ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ሻምፒዮና ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ 2023/24 ኮይና።
ሎሚ መዓልቲ ፍፃኡ ዝረኸበ ውድድር ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ 2023/24÷ ማንቸስተር ሲቲ ንዌስትሃም 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ሻምፒዮና ምዃና ክተረጋግፅ ክኢላ ዘላ፡፡
ሻምፒዮን ናይ ምዃን ዕድል ዝነበራ ጋንታ ኣርሰና ንኤቨርተን 2 ን 1…