ስፓርት
ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ማንቼስተር ሲቲን ምስ ኢንተርሚላን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ምሸት ሰዓት 1፡45 ጣሊያናዊት ጋንታ ቦሎኛ ምስ ዩክሬናዊት ጋንታ ሻካታር ዶኔስክ ከምኡ እውን ጋንታ ቼክ ሪፐብሊክ ስፓርታ ፕራግ ምስ ኦስትሪያዊት ጋንታ ሬድቡል ሳልዝበርግ ክራኸባ ኢየን፡፡
ብኻሊእ መዳይ÷ ስኮትላንዳዊት ጋንታ ሴልቲክ ምስ ስሎቫኪያዊት ጋንታ ስሎቫክ ብራቲስላቫ፣ ክለብ ብሩጅ ምስ ቦሩሺያ ዶርቱመንድ፣ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኢንተርሚላን፣…
Read More...
ጋንታ ስፖርት መቻል ናብ ነባር ክብሩ ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ስፖርት መቻል ናብ ነባር ክብሩ ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ህንፀት ስነ ልቦና ሰራዊት ምክልኻል ሜጄር ጄኔራል እንዳልካቸው ወልደኪዳን ገሊፆም።
ታሪክ እቲ ጋንታ ብምፍታሽ ኣመራርሓ እቲ ቦርድ ብምውዳብን ኣንፈት ብምሃብን ናብ ስራሕ ንክእቶ ብምግባር ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።
ከም ፖርቹጋላዊ…
ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ፀብለልታ ንዘርኣዩ ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ብሽክሌታ ብክልቲኡ ፆታ ተኻይዱ።
ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ፀብለልታ ብምርኣይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ንዝዛዘሙ ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም።
ብመሰረት እዚ፦
ማውንቴይን ደቂ ተባዕትዮ
1ይ ናሆም መዝገቦ፦ ራይት ማይ ሜዳሊያ…
ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ብሽክሌታ ብክልቲኡ ፆታ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ብሽክሌታ ብክልቲኡ ፆታ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ውድድር፥ ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮን ማውቴን ደቂ ተባዕትዮን ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ 2024/25 ሎሚ መዓልቲ ክጅምሩ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)36 ጋንታታት ኣውሮፓ ዘሳትፍ ሓዱሽ ውድድር ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ እንትጅምር ኤሲ ሚላን ኣብ ሜዳኣ ሳንሲሮ ምስ ሊቨርፑል ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
በብዙሓት ዘይተፈተወ እቲ ሓዱሽ ቅርፂ ውድድር ሻምፒየንስ ሊግ÷ ብላዕለዎት ሓለውቲ ኩዕሾ እግሪ ኣውሮፓ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ ሎሚ ምሽት ምትግባር…
ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ንኽተተኣናግድ ተወሲኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽካየድ ወሲኑ፡፡
እቲ ጉባኤ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ይኹን እምበር÷ እታ ሃገር ክተተኣናግድ ከምዘይትኽእል ምግላፃ ስዒቡ ኢትዮጵያ እቲ ጉባኤ ንምትእንጋድ ዘቕረቨቶ ሕቶ ካፍ…
ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውስትራሊያ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን።
ብብርኪ ኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ፕላቲኒየም ዝተውሃቦ ማራቶን ሲድኒ÷ ኣትሌት ወርቅነሽ ኢዴሳ 2:21:40 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊታ።
ኣትሌት ሩቲ ኣጋ 2:23:09 ከምኡ…