Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዝሃባኒ ኣፍልጦን ምስጋናን ተሓጒሰ እየ – ኣትሌት ታምራት ቶላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዝሃባኒ ኣፍልጦን ምስጋናን ተሓጒሰ እየ ክብል ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ብሕታዊት ሜዳሊያ ወርቂ ዘምፀአ ኣትሌት ታምራት ቶላ ገሊፁ። ኣትሌት ታምራት ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ንዝተሳተፈ ልኡኽ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን÷ ኣብ ጉድኣት ስለዝነበረ ኣብ ማራቶን ናይ ምውድዳር ዕድል ንዝሃቦ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ካብ ረብሓ ውቅለሰብ ንላዕሊ ሓደራ ሃገርን ህዝቢን ብምቕዳም ዝወሰኖ ውሳነ ኢዩ ብምባል ነቲ…
Read More...

ኢትዮጵያ ድሕሪ 12 ዓመት ብኣትሌት ኣበባ ኣረጋዊ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2012 ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየዱ ፀወታታት ኦሎምፒክ ለንደን ንኢትዮጵያ ብ1 ሺሕነ 500 ሜትሮ ዝወከለት ኣትሌት ኣበባ ኣረጋዊ ድሕሪ 12 ዓመት ሜዳሊያኣ ረኺባ። እታ ኣትሌት ቅድሚ 12 ዓመት ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ 5ይቲ ብምውፃእ ዛዚማ ነይራ፡፡…

ካብ ኢትዮጵያ ርሒቑ ዝፀንሐ ዓወት ኦሊምፒክ ማራቶን ብምምላሰይ ተሓጒሰ- ኣትሌት ታምራት ቶላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኢትዮጵያ ርሒቑ ዝፀንሐ ዓወት ኦሊምፒክ ማራቶን ብምምላሰይ ተሓጒሰ ክብል ኣብ ውድድር ማራቶን ፓሪስ ኦሎምፒክ ተዓዋትቲ ሜዳሊያ ወርቂ ዝኾነ ኣትሌት ታምራት ቶላ ተዛሪቡ። ኣትሌት ታምራት ቶላ ሓዊሱ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 33 ውድድራት ኦሊምፒክ ዝተሳተፈ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሎሚ ንጎሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ…

ኣርመኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ከምእተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርመኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኣብ ሕውነት ዝተሰረተ ርክብ ብዝበለፀ ከምእተጠናኽር ገሊፃ። ኣምባሳደር ኣርመኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ሳህክ ሳርጊሲያን ጋንታ ስፖርት መቻል ተዘዋዊሮም ርእዮም። ኣብቲ ዑደት፥ ብዛዕባ ጋንታ መቻል ታሪካዊ ኣመፃፅኣ፣ ብዛዕባ ተሳትፎ ኦሊምፒክ ስፓርተኛታት እቲ ጋንታ፣ ብዛዕባ እዋናዊ ኣወዳድባን ተዛመድቲ…

መዕፀዊ ስነ-ስርዓት ኦሊምፒክ ፓሪስ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መዕፀዊ ስነ-ስርዓት መበል 33 ፀወታታት ኦሊምፒክ 80 ሺሕ ተመልከትቲ ኣብ ዘተኣናግድ ብሄራዊ ስታዲየም ስታድ ደ ፍራንስ ሎሚ ምሸት ካብ ሰዓት 4 ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ፡፡ ባንዲራ ኦሊምፒክ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2028 መበል 34 ፀወታ ኦሊምፒክ ንተተኣናግድ ሎስ ኣንጀለስ መርሃ ግብሪ ምትሕልላፍ ክሳለጥ ኢዩ፡፡ ፓሪስ…

ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ ሜዳሊያ ብሩር ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፓሪስ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ብውድድር ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ ሜዳሊያ ብሩር ረኺባ። ኣብቲ ካብ ሰዓት 3 ንጎሆ ጀሚሩ ዝተኻየደ ውድድር፥ ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ንሃገራ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኣ። ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ፣ ኣትሌት ኣማኔ በሪሶን ኣትሌት መገርቱ ኣለሙን ንኢትዮጵያን ብምውካል ተሳቲፈን።…

ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ናይ መጀመሪያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ታምራት ቶላ ኣብ ውድድር ማራቶን ፓሪስ ኦሊምፒክ 2024 ቀዳማይ ብምውፃእ መዳሊያ ወርቂ ተዓዊቱ። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ናይ መጀመሪያ ወርቂ ረኺባ። ኣብቲ ውድድር ንኢትዮጵያ ብምውካል፥ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ፣ ታምራት ቶላን ደሬሳ ገሌታን ትዳዲሮም። ብመሰረት እዚ…