Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኢትዮጵያ ክልተ ውድድራት ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ንኽተተኣናግድ ተሓሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ክልተ ውድድራት ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ንኽተተኣናግድ ብማሕበር ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ከምዝተሓረየት ተገሊፁ። ቤት ምኽሪ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካዶ ጉባኤ ኢዩ ኢትዮጵያ እቶም ውድድራት ንኽተተኣናግድ ከምዝተመረፀት ዝሓበረ፡፡ ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ውድድር ሻምፒየንስ ሊግ ሴካፋ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮን ውድድራት ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮን ክተተኣናግድ ኢያ። ዩጋንዳ መፃረዪ ፀወታ ትሕቲ 17…
Read More...

ምባፔ ኣብ መስኮት ዝውውር ክረምቲ ናብ ማድሪድ ንምፅምባር ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ፓሪሴንት ዥርሜይ ኪሊያን ምባፔ ኣብ መስኮት ዝውውር ክረምቲ ናብ ሪያል ማድሪድ ንምፅምባር ተስማዕሚዑ፡፡ ወዲ 25 ዓመት ፈረንሳዊ ምባፔ÷ ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ፒ ኤስ ጂ ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ዘይራኸባ እንተኾይነን ኣብቀረባ እዋን ንማድሪድ ክታም ኩንትራት ከምዘንብር ትፅቢት ይግበር፡፡ ምስ…

ንተፃወትቲ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፅዋዕ ድሬ ንዝፃወቱ ተፃወትቲ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፃውዒት ቀሪቡ። ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝሳተፋሉ ፅዋዕ ድሬ፥ ካብ 16 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ኢንተርናሽናል ስታዲየም ድሬዳዋ ክሳለጥ ኢዩ። ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉን ፃውዒት ዝተገበረሎምን ተፃወትቲ ካብ 13 ለካቲት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተሰናደአሎም…

2ይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድር ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ከምዝካየድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድር ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ከምዝካየድ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ቀዳማይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዳማ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ እናተኻየደ ምፅንሑ ዝዝከር ኢዩ፡፡ ካብ መበል 16 ሰሙን…

ዮሴፍ ገብረወልድ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ብምዃን ተሾይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዮሴፍ ገብረወልድ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ብምዃን ተሾይሙ። እታ ሃገራዊት ጋንታ ብኣሰናዳእነት ጋና ኣብ ዝካየድ ውድድር ፀወታታት ኣፍሪካ ተሳታፊት ምዃና ይፍለጥ። ነዚ ድማ ካብ 29 ለካቲት ጀሚሩ ንዝካየድ ውድድር ነታ ጋንታ ንኸሰናድእ ኣሰልጣኒ ዮሴፍ ገብረወልድ ከምዝተሸመ ሓበሬታ…

ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ ቤልግሬድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 800 ሜትሮ ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ ቤልግሬድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ 800 ሜትሮ ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊታ። ኣትሌት ፅጌ ነቲ ርሕቐት 1 ደቒቕ 59 ሰከንድን 66 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኢያ ቅልጡፍ ሰዓት እቲ ቦታን ክብረወሰን ብምምሕያሽን ክትዕወት ዝኸኣለት፡፡ ኣብዚ ርሕቐት ኣትሌት ትግስት…

ፀወታ ሸገር ደርቢ ንፈለማ እዋን ኣብ ዱባይ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ንፈለማ እዋን ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ከተማ ዱባይ ከምዝካየድ እተን ጋንታታት ኣፍሊጠን፡፡ ጋታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ኣብ ዝቕፅል 16 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዱባይ ፀወተአን ከምዘካይዳ ገሊፀን፡፡ ማሕበራት ስፖርት ክልቲአን…