ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ምስ ቀዳማዊት እመቤት ኣርሜንያ ተዛትየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ምስ ቀዳማዊት እመቤት ኣርሜኒያ ኣና ሃኮብያን ተዛትየን።
ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ ፅሑፍ፤ ምስ ቀዳማዊት እመቤት ኣርሜኒያ ኣና ሃኮብያን ተራኺብና ብዛዕባ እቶም እንሰርሖም መደባት ፍረ ዘለዎ ዘተ ኣካይድና ኢለን።