Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምሉእ ቃል ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦

ንበዓል መስቀል እንኳዕ ኣብፀሐኩም

በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን ብዝኾነ መንገዲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝኽበር በዓል እዩ።

እዚ በዓል ስድራቤታውን ማሕበራውን ሕብሪ ኣለዎ። ስድራቤት ይራኸበሉ። ከባቢ ይእከበሉ። ከተማን ከባቢኣን ናብ ሓደ ኣደባባይ ይእከቡሉ።

ካብ ዕንፀይቲ ክሳብ ደመራ ዘሎ ምእካብ ድማ ሓይሊ ምድማር ዘርኢ ተምሳሌት እዩ።

ነዚ በዓል እነኽብረሉ እዋን ኩሉ ዓቕምታት ኢትዮጵያ እናኣከብናን እናደመርናን ዓብዩ ሃገራዊ ዓቕሚ ንምፍጣር ንፅዕር።

ብድጋሜ ርሑስ በዓል ይኹን።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተኸቢራን ተሓፊራን ንዘለኣለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

መስከረም 16፣ 2019 ዓ.ም

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.