ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚደንት ፊንላንድ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚደንት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስቱብ ኣብ ጎድና ጎኒ ጉባኤ መራሕቲ ኮፕ31 ተዛቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝገለፁዎ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ኣሌክሳንደር ስቱብ ቅድሚ ሕዚ ኣብ እዋን ጉባኤ ጂ20 (G20) ኣብ ዝገበርዎ ክልተኣዊ ኣኼባ ዝተገበሩ ዘተታት ተግባራዊነት ብዝምልከት ምዝታዮም ኣብሪሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘተኦም ዋና ዋና ዓለም ለኸ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን፣ ኣብ ዞባዊ ተለዋዋጢ ኩነታትን ሓባራዊ ረብሓታትን ከምዝተመያየጡ ኣመልኪቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) እቲ ዘተ ፊንላንድ ኢትዮጵያ ንእትርከቦ ፕሬዚደንትነት ኮፕ32 ትገብሮ ሓገዝ ሓዊሱ ሓባራዊ ምርድዳእ ኣብ ዝተበፅሐሎም ዓውድታት ብቀፃሊ ርክብ ዝያዳ ንምምዕባል ፍሉይ ትኹረት ዝተውሃቦ ምንባሩ ኣረዲኦም።