Fana: At a Speed of Life!

ኣወዳድባ ትካላት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝልውጥ ሓዱሽ ኣዋጅ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳራዊ ኣወዳድባ ኣዲስ ኣበባ ብምምሕያሽ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቅልጡፍ ንምግባርን ሓደሽቲ ትካላት ንምውዳብን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብቤት ምኽሪ እታ ከተማ ፀዲቑ።

ብመሰረት እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ዝተገበሩ ዋና ዋና ለውጢታት ውዳበ፦

👉 ቢሮ ስራሕን ክእለትን፦ ኣብ ክልተ ብምፍላይ ቢሮ ሰራሕተኛን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ከምኡውን ቢሮ ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ብምባል ከምብሓዱሽ ኽውደብ ተገይሩ።

👉 ባህሊን ቱሪዝምን፦ ነባር ቢሮ ባህሊን ኪነ-ጥበብን ከምኡ እውን ኮሚሽን ቱሪዝም ብምውህሃድ ኣብ ትሕቲ ሓደ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክጠቓለሉ ተገይሩ።

👉 ትራንስፖርት፦ በዓል መዚ ማጅመንት ትራፊክ ክፈርስ ዝተገበረ እንትኸውን፤ ተግባርን ሓላፍነቱን ድማ ናብ ቢሮ ትራንስፖርት፣ በዓል መዚ መገዲታትን ሓዱሽ ማእኸል ምምሕዳር ትራንስፖርትን ተመቓቒሉ።

👉 ኢንቨስትመንት፦ በዓል መዚ ኣወዳድባ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ተተኪኡ።

👉 ዝተሰረዙ ትካላት፦ ኤጀንሲ ምምሕዳር ልምዓት መስርሒ ቦታታት፣ ኤጀንሲ ምግቢ፣ ኣካዳሚ ስራሕቲ ኣዲስ ኣበባን ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ግድብ ህዳሰን ክፈርሱ ዝተገበረ እንትኸውን፤ ንዝነበሮም ተግባርን ሓላፍነትን እዞም ትካላት ድማ ተዛማዲ ናብ ዝኾኑ ካልኦት ትካላት ተላሊፉ።

እቲ ሓድሽ ኣዋጅ 7 ክፍልታትን 98 ዓንቀፃትን ዘለዎ ኮይኑ፤ ቅልጡፍ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ዕቤት እታ ከተማ ብዓለም ለኸ ደረጃ ተወዳዳሪ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ የመልክት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.