ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ተዛቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ጎድና ጎድኒ 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ክልተኣዊ ዘተ ከም ዘካየዱ ገሊፆም።
ዝፀንሐ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ብዝያዳ ምሕያልን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ብዘለወን ዓውዲታት ምትሕብባር ንምስፋሕ ዝከኣለሎም ጉዳያትን ተዛቲና ኢሎም።