ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ቀዋሚ ኣጀንዳ ህዝቢን መንግስቲን ኮይኑ ክቕፅል ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ቀፃሊን ቀንዲን ኣጀንዳ ህዝቢን መንግስቲን ኮይኑ ክቕፅል ኣለዎ ኢለን ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ።
መድረኽ መዛዘሚ በዓል መበል 25 ዓመት በዓል እዮቤልዩ ብሩር ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን “ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ።
ምክትል ኣፈ ጉባኤ ሎሚ በዶ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ ሎሚ መዓልቲ እነኽብሮ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ዝሓለፈ ታሪኽ ንምዝካር ጥራሕ ዘይኮነስ እንርከበሉ ደረጃ ንምግምጋምን ኣብ መፃኢ እንኸዶ ኣንፈትን ንምውሳን ዘኽእል እዩ።
ኣብ ሃገራዊ ዘተ ካብ ዝተተሓዙ ቀንዲ ነጥብታት ሓደ ድማ ግዕዝይናን ጉዳያት ሰናይ ምምሕዳርን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ዝርከብ ኣጀንዳ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ናይ ሓደ ትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ህዝቢ ሓባራዊ ሃገራዊ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ ከምዘረጋገፀ እዩ ኢለን።
እዞም ሰለስተ መሰረታት ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና እምነ ኩርናዕ ኮይኖም ሕዚ እውን ከም መሰረታዊ መትከላት ከገልግሉ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጠን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ግዕዝይና ንምቅላስ ዘበናዊን ዝተዋደደን ስራሕቲ ሪፎርም ብሰፊሑ እናተተግበረ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ሃገራዊ ስርዓት መቐበሊ ጥቁምታ ብምዝርጋሕ፣ ድምፂ ዜጋታት ብዘይፍርሒ ክስማዕ ከምዝገበረ ገሊፀን።
ኣገልግሎት ሓደ መስኮት መሶብን ብሰብ ሰራሕ ብልሒን (ኤኣይ) ዝተሓገዙ ኣሰራርሓታትን ድማ ስርቂ ብዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምቅላዕ ዝሕግዙ ሓደሽቲ ምዕራፋት ቃልሲ ምዃኖም ገሊፀን።
ግዕዝይና ጉዳይ ገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ጉዳይ ስነ-ምግባር፣ ሞራል፣ ምምሕዳር፣ ፍትሒ፣ ልምዓት፣ ሃገርን ህንፀት ወለዶን ብምዃኑ፤ ኩሉ ግዜ ቀዋሚ ኣጀንዳ ህዝቢን መንግስቲን ኮይኑ ክቕፅል ከምዘለዎ ወይዘሮ ሎሚ ኣገንዚበን።