በሪ ባሕሪ ብሓባር ናይ ምዕባይን ሃፍትታት ብሓባር ናይ ምጥቃምን ዕላማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በሪ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ተመራፅነተንን ዕቤተንን ዝሐሸ እዩ።
በሪ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ኣብ ዓለም ብዕቤተን ክብ ኢለን ይረአያ። ኣብ መስመራት ባሕሪ ድማ ዓለም ብመሰረታዊነት እትደልዮ ኩሉ ዓይነት ዘማልኡ እታወታት የካይዳ።
ሃገራት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነዞም መስመራት ንሰዓታት እገዳ እንተንቢረንን መመሓላለፊ መስመራት ነዳዲን ካልኦት ኣቕሑትን እንተዓፅየን፤ ኢኮኖሚ ዓለም ክሳብ ክንደይ ክናጋዕ ከምዝኽእል ናይ ቀረባ እዋን ተሞክሮ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ እዘን ሃገራት ዓብዪ ፖለቲካዊ ፅልዋ ክፈጥራ ይኽእላ። እዚ ድማ ካብ ምውናን በሪ ባሕሪ ዝመፅእ፣ ብብርኪ ዓለም ናይ ምድርዳርን ፅልዋ ምፍጣርን ዓቕሚ እዩ።
ናይ ባዕላ ዝኾነ ነገር ዘይብላ ሃገር ድማ ኩሉ ግዜ ናብ ጎረባብቲ ማዕፆ ምንኩኽዃሕ ትግደድ። ኢትዮጵያ ድማ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጉዕዞኣ ኣጠናኺራ ትቕፅል ኣላ።
ኢትዮጵያ ክልቲኦም ሃፍቲ ማያ ንምጥቃም ሕቶታት እንትተልዕል ሓገዝ ኣብ ክንዲ ምግባርን ሓቢርካ ምቛምን ፀላእታ ተቓውሞኦም ብተደጋጋሚ እናስምዑ ይርከቡ።
ምውናን በሪ ባሕሪ ንዕቤት ኢኮኖሚ ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ተሰማዕነታ የዕቢ።
ናይ ሓባር ገዛ ብዙሓት ህዝብታት ዝኾነት ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘይብላ ክትከውን ዝደልዩ ኣካላት ብሓባር ኣብ ክነዲ ምዕባይ ብሓባር ናብ ውድቀት ንምኻድ ኣብነት ዝኾኑ እዮም።
ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ ታሪኻዊን ሕጋዊን ምውናን በሪ ባሕራ እንትተልዕል ንሃገራት እቲ ዞባ ስግኣት ንምፍጣር ዘይኮነስ ብሓባር ንምዕባይን ሃፍቲታት ብሓባር ንምጥቃምን ዝዓለመ እዩ።
ሕቶ በሪ ባሕሪ ክለዓል እንተሎ ኲናት ንምፍጣር ወይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምሕርፋፍ ዝዓለመ ዘይኮነስ፤ ዝተረኸቡ ዕድላት ዲፕሎማሲ ብምጥቃም ንሃገራዊ ረብሓ ምስራሕ ዝምልከት ጉዳይ እውን እዩ።
ምውናን በሪ ባሕሪ ድሕነት ሃገር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ፤ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ።
ብቤተልሄም ግርማ