በዓል መውሊድ ኣብ ዓቢይ መስጊድ ኣንዋር ብድምቀት ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 19፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 1501 በዓል ልደት ነብዩ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) በዓል (መውሊድ) “ ናይ ፍትሕ ነቢይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዓቢይ መስጊድ ኣንዋር ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።
ምክትል ተቀዳሚ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ዓብዱልከሪም በድረዲን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እዚ በዓል ብዙሓት ከይዲ ሓሊፉ ብሓባራዊ ምኽሪ ሓሳብ ዝተዛዘመ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ምኽባሩ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፆም።
ነብዩ መሓመድ ልዕልነት ሓበሻ ከምዝመስከሩ ብምዝካር፣ ህዝቢ ሙስሊም ንሰላምን ሓድነትን ሃገርና ብትግሃት ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
በዓል ልደት ነብዩ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) ክነኽብር ከለና፣ ንሱናኦምን ትምህርቶምን ኣብ ተግባር ብምውዓል፣ ደገፍ ዝደልዩ ወገናት ብምዝካርን ብምሕጋዝን ክኸውን ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣብቲ በዓል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባን፣ ዋና ኢማም ዓቢይ መስጊድ ኣንዋር ሼኽ ጠሃ መሓመድን ሓዊሱ ዲፕሎማተኛታትን ብዙሓት ተኸተልቲ እምነት እውን ተረኺቦም።
ብሄኖክ ለሜ