ባዕዲ ተደነቐ፤ ባንዳ ድማ ተሳቐቐ
እዞም ክልተ ቦታታት ስምን መልክዕን ሃገር እዮም!
ክልቲኦም ቦታታት ስምን መልክዕን ሃገር እዮም!
ንዘበናዊት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ናይዚ ወለዶ ሓሳብ፣ ተግባርን ውፅኢትን ተምሳሌት ኮይኖም ንዓለም ዝምስክሩ ጉባን ቢሾፍቱን። ምብራቕን ምዕራብን፤ መውፅኢ ብርሃንን መሕደሪ ብርሃንን።
ኣብ ትሕቲ ጎቦታት ጉባ 4 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ዝተኻየደ ልዑል ምዕራፍ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ኢትዮጵያዊ ጥራሕ ኣይኮነን። መንፈስ ፀለምቲን ናፅነትን ዝካፈል ኩሉ ህዝቢ ዓለም ዘይርስዖ፣ ዝዝክሮ ታሪኻዊ ዕለት እዩ።
“ከመይ?” እንተበልኩምኒ፣ ምኽንያተይ እነሆ።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ባርባዶስ ሚያ ሞትሊ ንፍሉጥ ኮሜዲያን ትሬቨር ኖዋ ብህልኽን ብሕራነን፣ ግን ድማ ዓወት ብዘበስር መልክዑ ኣእዳወን ብስምዒት እናወናጨፋ ዝተዛረባኦ ቃላት ከመይ ኢሉ ክርሳዕ ይኽእል?
“ዓለም እምቢ ኣብ ዝበለሉ እዋን፤ ንሳቶም ፈፀሙዎ! 14 ዓመታት ወዲኡሎም፤ ግን ገይሮምዎ!” (They did it when the World said no. It took 14 years. BUT, THEY DID IT!)
ካብዚ ንላዕሊ ነቲ ስምዒት ብኸመይ ክግገለፅ ይኽእል!
እታ ናይ ዓለም ጉራማይለ ናይ ታሪኽ መርአያ ኮይና ዝነበረት ሃገር፤ ብሓደ ወገን መበገሲ ዘበናዊ ስልጣነን ቀንዲል ናፅነትን፣ ብኻሊእ ወገን ድማ ናይ ሓደ ዘመን ክፉእ ጥሜት ስማ ተጣቢቑዋ ዝነበረት ክብርቲ እመቤት፤ ዓለም ብዝተደናገረ መነፀር ዝሪኣ ኢትዮጵያ ነቲ ቀደም ዝነበራ ስልጣነ ዘርኢ፣ መእተዊት በሪ ኣፍሪካ ምዃና ዝምስክር ናይዚ ዘመን ሓዱሽ መንነት፣ ከምኡ እውን ጥበብ መራሕቲ ሃገር ናይዚ ዘበን ጎሊሁ ሓዱሽ ታሪኻ እንሆ ክፀሓፍ ጀሚሩ።
ኣቆፃፅራ ዘበን ኢትዮጵያ ብህዳሰ ብርሃን ኣብ ክልተ ተኸፈለ።
መሕደሪት ምዕራባዊት ፀሓይ ዝኾነ ብስራት ግድብ ህዳሰ ንምብራቕ ነፀብራቕ በፅሐ እሞ መራሒኣ ካብ ምዕራባዊ ጫፍ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጎቦታት ጉባ ጠጠው ኢሉ፣ ኣብ ምብራቕ ዝድገም ካልእ ናይዚ ዘበን ብስራት ብራኸ ኣብሰረ!
ናይታ ኣህጉር ዓብዪ መዕረፎ ነፈርቲ ሓሳብ እነሆ ናብ ዝርአ ተግባር ተለዊጡ፣ ንወለዶ እተህንጡ ሃገር ንምስራሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ብውፅኢት ተሰንዩ ቀፀለ።
እዚ ድማ ካሊእ ንባዕዲ ኣደነቐ፤ ጉዳያት ኣቪዬሽን እናተኸታተለ ብምፅሓፍን ዝፍለጥ “ኣቪየሽን ዊክ” ኣብ ዝሰርሖ ማእኸላይ ዳህሳስ፣ ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ዘፈር ኣቪዬሽን ከም ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ቀልቢ ዓለም ለኸ ሚድያታት ዝሰሓበ ካልእ ጉዳይ ከምዘይነበረ ቁፅርታት ምስክረይ እዮም ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ኣቐሚጡ ተንቲንዎ።
ጮራ ምዕራብ ህዳሰ ፀዳል ብርሃኑ ናብ ምብራቕ ብምስፋሕ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ጉባ ብዝተወልደ ሓዱሽ ብስራት እነሆ ሽማ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ናብ ዝግባኣ ክብሪ እናሳገረ ቀፂሉ ኣሎ።
እዚ ክብሪ እዚ ኣብ ርሑቓት ንዝርከቡ ባዕዲታት ኢትዮጵያ እንተደንቕ፣ ብገፃት ሕትመት “ለ ሞንድ”ን “ኤንታይ ኤሮ”ን ድማ ባንዳ ብዓወት ውሽጢ ሃገር ክሕበን እናተገብኦ፣ ብኣንፃሩ ሓፊሩ ክሳቐቕ ተራእዩ።
ምብራቕ ይኹን ምዕራብ ናይ ባዕዲ ምድናቕን ናይ ባንዳ ምስቓቕን እናተዓዘቡ፣ ንሓዱሽ መዓልቲ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ ገፅ እናፀሓፉ፣ ንሰሜንን ደቡብን ብፀዳል ብርሃኖም ናይ ምብፃሕ ጉዕዞኦም ተታሒዞምዎ ኣለዉ።
ብነቢዩ ይርጋለም