Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልተ ረቀቕቲ ኣዋጃት ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ክልተ ረቀቕቲ ኣዋጃት ስምምዕነት ልቓሕ ብምምርማር ኣፅዲቑ፡፡

6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ህፁፅ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን መንግስቲ ሪፐብሊክ ጣሊያንን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ባንኪ ዓለም ን3ይ ዘላቒን ዘተኣማምንን ልምዓት ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ሓገዝ በጀት መፈፀሚ ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ ብሙሉእ ድምፂ ከምዘፅደቐ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ እቲ ስምምዕነት ልቓሕ 70 ሚሊዮን ዩሮ እንትኸውን ምንም ዓይነት ክፍሊት ኣገልግሎት ከምዘይሕተተሉ ገሊፆም፡፡

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ 16 ዓመት ናይ ችሮታ ግዘ ዘለዎ እንትኸውን፤ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ተኸፊሉ ዝዛዘም ናይ ነዊሕ እዋን ልቓሕ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ልቓሕ ብቐጥታ ናብ በጀት መንግስቲ ፈሰስ ከምዝግበር ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺምእቲ ባይቶ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ፈረንሳይን ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ዲጂታላይዜሽን ደረጃ ስርዓት ኣወፃፅኣ ምሕደራ ንብረትን ትእዛዝ ቁፅፅርን ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ ብምምርማር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ስምምዕነት 54 ሚሊየን 600 ሺሕ ዩሮ ሓገዝ ፋይናንስ ዝሓዘ ከምዝኾነ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ 10 ዓመት እዋን ችሮታ ኣብ 25 ዓመት ተኸፊሉ ዝዛዘም ከምዝኾነ ብምሕባር፥ መጠን ወለዱ ድማ 0 ነጥቢ 347 ሚኢታዊ ትሑት መጠን ዘለዎ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.