Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለያዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 59 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለያዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዘሕለፎም ዝርዝር ውሳነታት ከምዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡-

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ብቐዳምነት ዝተዛተየሉ ጉዳይ፤ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኣካላት ፈፃሚ ስራሕ ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እዩ። ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ሕጊ መረፃን በቢሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ስዒቡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 56 ሓደሽቲ ኣካላት ፈፃሚ ስራሕ ስልጣኖምን ተግባራቶምን ምውዳብ ዝግባእ ብምዃኑ፤ ኣብ 2018 ዓ.ም ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ ኣካላት ፈፃሚ ስራሕ ፌዴራል ብሓዱሽ ኣገባብ ንምጥያሽ ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ተዳልዩ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ድማ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
  2. ቀፂሉ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዘራረበሉ ጉዳይ፤ ረቂቕ ኣዋጅ ሃገራዊ ምምሕዳር ዳታ እዩ። ዕላማታት ዲጂታል ለውጢ ኢትዮጵያ ንምዕዋት፣ ድሕነትን ሉኣላውነትን ዳታ ንምርግጋፅ፣ ምክፋል ዳታ፣ ተናባብነት ዳታን ዳግመ ምጥቃም ዳታን ብምጥንኻር ኣገልግሎታት መንግስቲ ንምዝማን፣ ምርምር ሰብ ሰራሕ ብልሒን ናይ ምህዞ ዓቕሚ ንምምዕባልን፣ ዕቤት ምህዞን ዲጂታል ኢኮኖሚን ንምስላጥን ብዳታ ዝምራሕ ስርዓት ልምዓት ኢኮኖሚ ንምህናፅን ብዝብል እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተዳልዩ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ። ቤት ምኽሪ ድማ ኣብቲ ረቂቕ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
  3. ድሕሪ እዚ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዘራረበሉ ጉዳይ፤ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበር ልምዓት ዝተፈረመ ንፕሮጀክት ቀዳማይ ምዕራፍ ሪፎርም፣ ወፍሪን ዘበናዊነትን ዘፈር ሓይሊ ንምፍፃም ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ 145 ሚልዮን 800 ሺሕን ኤስ.ዲ.ኣር ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እዩ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ነቲ ስምምዕነት ምስ ፖሊሲ ልቓሕ ሃገርና ዝሰማማዕ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋፅ፤ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
  4. መመሓየሺ ደምቢ እቶት ግብሪ ፌዴራል ካልእ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዘራረበሉ ኣጀንዳ እዩ። እቲ ደምቢ ግልፅነትን ምምሕዳራዊ ቅልጣፈን እቶት ግብሪ ፌዴራል ንምርግጋፅን ምስ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ እቶት ግብሪ ፌዴራል ቁፅሪ 979/2008 ዝሰማማዕ ንኽኸውን፣ ነቲ ዝተመሓየሸ ደምቢ እቶት ግብሪ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቁፅሪ 410/2009 ዳግም ንምምሕያሽ ኣድላዪ ብምዃኑ፤ እቲ ረቂቕ ተዳልዩ ንቤት ምኽሪ ቀሪቡ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ድማ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ፌዴራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
  5. እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መመሓየሺ ደምቢ ተወሳኺ እሴት ታክስ ፌዴራል ኣመልኪቱ ተዛቲዩ። በዚ ድማ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ፣ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ፌዴራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
  6. ኣብ መወዳእታ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተዛተየሉ ጉዳይ ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እዩ። እቲ ትካል ብመሰረት ድንጋገታት ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 87 ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶ ብሕጋዊ መገዲ ክፍፅም ንኽኽእል፣ ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ቁፅሪ 1286/2015 ምምሕያሽ ኣድላዪ ብምዃኑ፤ እቲ ረቂቕ ተዳልዩ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.