Fana: At a Speed of Life!

ብለውጢ ዝተካየዱ ስራሕቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ፈጢሮም- ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ዝተካየዱ ስራሕቲ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ስራሕቲ ዓለምለኻዊ ፅዕንቶ ይፈጥሩ ኣለው ኢሎም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)።
ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኢትዮጵያ “ምብፃሕ ናብ ቀበሌ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት 2ይ ሃገር ለኸ መድረኽ ምንቅስቓስ ምትሕግጋዝ ሕብረት ስራሕ ምክያድ ጀሚሩ፡፡
እቲ መድረኽ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት ፌደራልን ክልልን ይሳለጥ ኣሎ።
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣወዳድባ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት እቲ ሓደ ምዃኑ ገሊፆም።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዋ ሓሙሽተ ዓበይቲ ኢኮኖሚታት ክትከውን ኣኽኢልዋ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ብብርሃኑ በጋሻው
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.